2024.12.15 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓዋርያዊ መገሻ ኮርሲካ ምስ ማክሮን ተራኺቦም 2024.12.15 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓዋርያዊ መገሻ ኮርሲካ ምስ ማክሮን ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓዋርያዊ መገሻ ኮርሲካ ምስ ማክሮን ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 15 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ደሴት ኮርሲካ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ብዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስለእቲ ናብዚ ምምጻእኩም ኣዝየ አመስግን። ነቲ ደላይ ዘተ ዝኾነ ባህርይኹም ዘንጸባርቕ ዑደት እዩ” ዝበሉ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኮርሲካ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምቃሎም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥

ብዛዕባ መካነ ንድግደት ኖትረ - ዳም እተዘንትው መጽሓፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናፖልዮን ቦናፓርት ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ መቐበል ኣጋይሽ ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምንቃሎም ሰዓት 18፡00 ምስ ርእሰ ብሔር ማክሮን ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብ ልዕሊ ቅዱስነቶም ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣብ ዓለም ዘተን ሰብኣዊ ሕውነት ክሰፍሕን ከምኡ እውን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን መራኸቢ ድልድል ክህሉ ንዝገብርዎ ጻዕሪ ምስጋናኦምን ኣድናቖቶምን ገሊጾም ንቕዱስነቶም ታሪኽ ናይቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዕንወት ተሓዲሱ ንህዝቢ ቅዱሚ ሓደ ሰሙን ዝተኸፍተ ካቴድራል ኖትረደም ዘዘንትው ዓቢይ መጽሓፍ ከም ዘበርከቱሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ተዋዛዪ ስምዒት ምዕቃብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብወገኖን ናይ ር.ሊ.ጳጳሳት መዳልያታትን ሰነዳት ስልጣናዊ ትምህርትን ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘጠቓልል ከምኡ እውን ነቲ ቅዱስ ቶማስ ሞር ዝሃቦ ለበዋ - ዝጠርነፈ መብዛሕትኡ ግዜ ቅዱስነቶም ኣብ መደረታቶም ዝውከስዎ መጽሓፍ ገጽ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ይሕብር።

ምስጋና ስለቲ ምብጻሕ

ርእሰ ብሔር ማክሮን "ብስም ኮርሲካን ፈረንሳን" ቅዱሰንቶም ስለ ዘካየድዎ ምብጻሕ ከም ዘመስገንዎምን ድሕሪ እዚ ናይ ሓባር ርክብ እዚ ድማ ቅዱስነቶምን ማክሮንን ዕጽው ክሌኣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም ንሓደ መዓልቲ ኣብ ኮርሲካ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 December 2024, 15:47