ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኮርሲካ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ንዝተረኽቡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰነይዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ከምቲ ልሙድ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ መግለጺ እኳ እንተዘይሃቡ፥ ኣብ ኣጃቺዮ ብርክት ዝበሉ ሕጻናት ብምርኣዮም ዝፈጠረሎም ሓጎስ ከም ዝገለጹን እቶም ጋዜጠይናታት እውን ዕለት 17 ታሕሳስ ቅድስነቶም መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ከም ዘብዕሉ ብምዝካር ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም ምቁር ህብስቲ ከም ዝለገሱሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ኣጃቺዮ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝገብርዎ፡ ኣብታ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ዝገብርዎ ልሙድ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘይሃቡን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ኮርሲካ ንዓሰርተ ሰዓት ዝጸንሐ ዑደት ዘሰነይዎም 67 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ኣብዚ ዑደት ኣጃቺዮ ኣዝዩ ዝተንከፎም ትዕዝብቲ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ብፍላይ ኣብ ቅዳሴ ኣብ መናፈሻ ዲ ኦስተርሊትዝ ዝተራእዩ ህጻናት፡ ኣብ ጎደናታት እውን፡ ህጻናት ኣብ ጎኒ ወለዶም ኮይኖም ክጓዓዙን ሰላምታ ከቕርቡሎም ምርኣዮኦም እዚ እውን ኣብታ ደሴት ብዙሓት ህጻናት ምህላዎም ዘርኢ ምዃኑን ሓጎስ ከም ዝፈጠረሎም ይገልጹ።

ውላድ ዘለዋ መሬት

ነቶም ጋዜጠይናታት “ስለ ኣገልግሎትኩም ኣዚየ አመስግነኩም - ቢሎም - ብዝሒ ቆልዑ ርኢኹም ዲኹም? ኮርሲካ ውላድ ዘለዋ መሬት እያ . . . ኣብ ምብራቕ ቲሞርን ኣብዚን ዝረኣይዎ ብዝሒ ሕጻናት ዘኪሮም፥ "ቆልዑ ዝወልድ ህዝቢ ምርኣየይ የሐጒሱኒ” ነቶም ኣብታ ጳጳሳዊት ነፋሪት ዘሰንዮም ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ደጊሞም ስለ ኣገልግሎትኩም ኣመስግን . . . ኣብ ዝቕጽል መገሻ የራኽበና!” ምስ በሉ ዳርጋ ብሓደ ድምጺ ክበሃል ይከኣል ኵሎም ጋዜጠይናታት ድማ ዝቕጽል ሓዋርያዊ መገሻኹም ናበይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡሎም ቅዱስነቶም ድማ ፍሽኽ እናበሉ ኣይፈለጥን እንክብሉ ከም ዝመለሱሎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዘደንቕ ጽምብል

ኣብቲ ሓጻር ናይ ነፋሪት ጒዕዞ ቅዱስነቶም ዕለት 17 ታሕሳስ መበል 88 ዓመት ልደቶም ዘብዕልሉ ዕለት ብምዃኑ እቶም ጋዜጠይናታት ንዝፈጠርዎ ዘደንቕ ሃዋህው ጽምብል ድማ ኣመስጊኖም፥ ካብ ኩሎም ጋዜጠይናታት ናይ ቅድስቲ መንበር ሰንደቕ ዕላማ ዝተነብሮ “ርሑስ ልደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ዝብል ጽሑፍ ዘተነብሮ ምቑር ህብስቲ ከም ዝቐረበሎምን፡ “ኩሎም ጋዜጠኛታት ሰናይ ምንዮቶም ከም ዝገለጹሎምን ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም፥ “የቐንየለይ” ብምባል ነቶም ወትሩ “ብጾት መገሻይ፥ እንክብሉ ንዝጽውዕዎም ልኡካን ጋዜጠይንታት ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 December 2024, 15:51