ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ናይ ሓቂ ሃብቲ ንኻልኦት ክፉት ኣብ ዝኾነ ልቢ እዩ ዚርከብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ዘዕረግዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንምእመናን ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ክንዮ ስጋዊ ሃብትን ፍሉይ መሰልን ብምጥማት ፍቕርን ሓድነትን ትርጕም ዘለዎ ርክብን ንኪቕበሉ ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ  ንክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ሓተቱ "ልብና ዝሑል ባዶ ከምኡውን ዕጹው ዀይኑ ክንሱ፣ ምሉእ ናይ ባንክ ሕሳብን፣ ምቹእ ቤትን፣ ዘይክውንነታዊ ምናባዊ ርክብ እንተ ኣልዩና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?"

"ፍርቂ ዓለም ብውግእ ይጠሚ ወይ ይዓኑ እና ሃለወ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ዘይምግዳስ እንተ ርእዮም ኣብተን ፍሉይ መሰል ዘለወን ሃገራት ዓብዪ ቝጠባዊ ዕቤት ምርካብ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ? " ክብሉ ውን ወሲኾም ሓተቱ።

ማርያም ኣብነት ጥቕሚ ርእሲ ዘየቐድም ፍቕሪ ኣርኣየት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድንግል ማርያም ንዓለም ንምቕያር ከም ኣርኣያ ገይሮም ብምቕራብ "ልቢ ማርያም ካብ ሓጢኣት ናጻ ዝዀነን ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ዝዀነን ምሉእ ብምሉእ ዚህብ ልቢ እዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ጽባቐ ማርያም ርሑቕ ወይ ኪብጻሕ ዘይከኣል ኣይኰነን፣ የግዳስ ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ምላሽ ክንህብ ዝተቐበልናዮ ውህበት ኣሎና።

ብቕጻል ውን ቅዱስ ኣቦምና ከምዚ ብምባል ገለጹ - "እታ ንጽሕቲ ድንግል ህይወታ ንምውፋይ ገዛእ ርእሳ ኽትመውት ከም ዘለዋ ስለ እተገንዘበት፣ ነቶም ናብኣ ዝጥምቱ ድኻታትን ተነቀፍትን ንምክንኻን ገዛእ ርእሳ ኽትርስዕ ከም ዘለዋ ስለ እተገንዘበት ብፍረኣ ኣዝያ መልክዐኛ ኢያ” በሉ።

ኣብነታ ንዅላትና ደቅሰብ ክንመስሎ ከምኡውን "ብጸጋ ኣምላኽ ንዓለምና ናብ ዝሓሸ ንምቕያር ክንሕግዝ ዝገብረ. ኢዩ " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብዘይ ደቂ ኣንስትዮ ድሕነት ስለ ዘየለ ድንግል ማርያም እትህበና ኣብነት መሰረታዊ ዝኾነ ኢዩ" ንዝብል እምነቶም ደጊሞም ኣስመሩሉ። ቤተ-ክርስትያን ጓል ኣንስተይቲ ኢያ!" ውን በሉ።

"ኣብነት ማርያም ንዓለምና ናብ ዝሓሸት ዓለም ይቕይራ" ክብሉ ውን መስከሩ።

ናይ ምትሕግጋዝን ሓድነትን መጻኢ ምህናጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ይኣኽለኒ ምባል ማለት በይንና ኽንዕምብብ ከም እንኽእል ዚገልጽ ሕልሚ ንሰብኣውነትና ከም ዜቝስሎ ኣጠንቀቑ።

"ይኣኽለኒ ምባል ካብ ግምት ፍቕሪ ዀነ ሓጐስ ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ" በሉ። ካብ ቃልሲ ኻልኦት ተበጊስካ ኣብ ብሕታዊ ረብሓ ጥራይ እተተኵር ህይወት ናብ ባዶነት ጥራይ ኢዩ ዘምርሕ።

ንኣመንቲ ድማ ነቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝነበራ ናይ ውሉዳትን ናይ መጻምድትን ናይ ኣደነትን ፍቕሪ ከም መገዲ ተሓድሶ ገይሮም ክቕበልዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። እቲ ዘድሊ ዝያዳ ጥሪት ዘይኰነስ ክፉት ዝዀነን ንምሃብ ድሉው ዝዀነን ልቢ ምውናን ከም ዝኾነ ውን ኣረጋገጹ ።

ስጕምቲ ንምውሳድ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስብከቶም ብምቕጻል ምእመናን ንዓለም ብሓቂ ብዚልውጥ መገዲ ኺነብሩ ተማሕጸንዎም። "ናብ ማርያም ብምጥማት በቲ ፈቃር ልባ ኣቢላ ኽትስዕረና ንሕተታ። እምነትና ብምሕዳስ ናይ ውሉድነትን ናይ ሕውነትን ናይ ኣደነትን ፍቕሪ ናይ ህይወት ስርዓትን መለክዒታትን ክኸውን ዝኽእል ማሕበረሰብ ትግበርና" ብምባል ውን ተማሕጸኑ።

ኣብነታ ብምስዓብ ስድራቤታት ብሓድነት ክዓብያ፣ ማሕበረሰብና ሓድነት ርክብ ክፈጥር ከምኡውን ሰብኣዊ ስድራቤት ካብ ምክፍፋል ክሓዊ ከም ዘኽእለና ውን ገለጹ ።

ሓደስቲ ካርዲናላት

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ቅዱስ ቍርባን እዚ ምስቶም ከም ጓሳ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን መጠን ኣብ ኣገልግሎቶም ክሕግዝዎም ዝሓተቱ ሓደስቲ ካርዲናላት ከም ዘኽበርዎም ውን ገለጹ -"ንዕቤትን ንስፍሓትን መንግስቲ ኣምላኽ ኣበርክቶ ኺገብሩ ኢሎም ዓብዪ ጥበብ ሒዞም ካብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ኢዮም። ሕጂ ናብ ኣደ መድሓኒና ብፍሉይ መገዲ ብሕድሪ ነወፍዮም" ብምባል ድማ ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም 2024
09 December 2024, 15:45