ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢዮቤል ኣብ ኩሉ ግንባራት ውግእ ደው ናይ ምባል ዕድል ይሃብ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢዮቤል ኣብ ኩሉ ግንባራት ውግእ ደው ናይ ምባል ዕድል ይሃብ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢዮቤል ኣብ ኩሉ ግንባራት ውግእ ደው ናይ ምባል ዕድል ይሃብ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይታ ብኢጣሊያዊ ጋዜጠይና ፍራንቸስኮ ኣንቶንዮ ግራና "ኢዮቤል ተስፋ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት መጽሓፍ "እዚ ግዜ እዚ ንኽንልወጥን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህይወቱ ብመሰረት ወንጌል ንኽሓስብን ኣጋጣሚ ኪኸውን ተስፋ እገብር" ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መቕድም ከም ዝጸሓፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዓመትን ሕልሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣጽዋር ክዕገትን፣ እቶም ኣጽዋር ዘምርቱ ካብ ሞት ካልኦት ረብሓ ምርካብ ኣቋሪጾም፣ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘብጽሕ ዓንቀጽ ዘይብሉ፣ እሱራት ድማ "ምሕረትን ሕዳሴን ​​ዝረኽቡሉ” ብሰላም ናብ እትልለ ዓለም ብተስፋ የማዕድው። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ናይቲ ብኢጣልያዊ ጋዜጠይና ፍራንቸስኮ ኣንቶንዮ ግራና "ናይ ተስፋ ኢዮቤል" ዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት ሓዳስ መጽሓፍ ሕመረት እዩ።

ምሉእ ብምሉ ዝንበር ኢዮቤል

"እቲ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ኩለን ኩናት ዝካየደለን ሃገራት ተኹሲ ደው ንምባል ዕድል ክኸውን ብሓቂ ተስፋ እገብር!" እንክብሉ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም የጒልሑ። "ካብ ኲናት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ምዝላቕ፡ ኣብ ወግእ ኩሉ ሰብ ኩሉ ግዜ ተሳዒሩ ኮይኑ እዩ ዝወጽእ፡ ኩሉ ሰብ!" ከምኡ'ውን "ሰዓርን ተሳዓርን ዘይብሉ፡ ኩሉ ዝተሳዕረ ዝኾነሉ!" ዝብል ኣብታ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. “ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” ብዝብል እራእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝኽካር ውግእ ተወዓትን ተሳዓርን ከም ዘይብሉ ኣጽኒዖም ብምምልካት፥ ተስፋ "ትስፉውነት፡ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዘይንጹር እወንታዊ ስምዒት . . . ጥበራ ወይ ስምዒት ኣይኮነን። ጭቡጥ ዝኾነ ሰናይ ባህሪ እዩ፡ ኣገባብ ህይወት እዩ፡ . . .  ሰናይ ምርጫታት እዩ። ተስፋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሰናይ ብዝገብሮ ተወፋይነት ትድልድል፥ ቢሎም ቀጺሎም "መግቢ ተስፋ" "ብዝለዓለ፥ ትርጉሙ ማሕበራዊ፡ ስነ ትምህርታውን፡ መንፈሳዊ፡ ስነ-ጥበባውን ፖለቲካውን ተግባር፡ ዓቕምኻን ጸጋታትካን ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ምውዓልን" ዝብል ዋጋ ኣለዎ።

መሳርሒ ጸጋ

እዚ ማለት ምስቶም "ጉዕዞታት ተስፋ" ጸኣት ዘጋጥሞም ስደተይታት ዝፍጽምዎ ጉዕዞ ዝተኣሳሰር እዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጒዕዞ ተስፋ "ናብ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ጉዕዞ ይቕየር . . . ከምቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት፥ “ዓቢ መካነ መቓብር ዝኸውን ዘሎ. . . ወይ ድማ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝተበየኖም "ኽቡር መነባብሮ" ኺወሃቦም ዝሓቱ እሱራት "ነቲ ዘይስነ - ምግባርን ክብርን እቲ ሰብ ስለ ዚጥሕስ፥ እዚ ኩሉ ተቐባልነት የብሉን" እንክብሉ የብርሁ።

ቅዱስ ዓመት "ብኣቆጻጽራ ጥራይ ዝእዘዝ ፍጻመ ዘይኮነስ፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ 1300 ጀሚሮም፡ ከከም ጠለባት ናይቲ ዝነበርዎ ዘመን ንጉስነት ዝጥቀሙሉ ሓቀይና መጋበርያ" ንምቕራብ ዝጥቀምሉ እዩ እንክብሉ ኣረዲኦም።

ዘመን ዳግማይ ልደት

ኣብ ዝመጽእ ቅዱስ ዓመት 2025 ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነጋድያን ቅዱስ በሪ፥ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ሰለስተ ጳጳሳዊ ባዚሊካታትን ክሰግሩ እዮም። ግና እዚ ንግደት ከምቲ ኣብ ኦሎምፒክ ዝግበር ናይ መስህባዊ ምብጻሕ ወይ ዕላማ ዓወት ጥራይ ከምዘይከውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ "ብሓቂ ንምልዋጥ ንህይወትና ብመንጽር ወንጌል ንምርኣይ" ከምኡ'ውን "እዚ ንግደት ኩሉ ግዜ ብሕቡእ ብዝፍጸም ናይ ግብረ ሰናይ ተግባር ዝተሰነየ ኣጋጣሚ ክኸውን ተስፋ እገብር።”

እታ መጽሓፍ ንፒየር ጆርጆ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን - ክልተ ብጹዓን መንእሰያት ኣብ እዋን ኢዮቤል ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ከም እትእውጀሎም ተዘኻር፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ ኣብነታቶምን ቃላቶምን ብምዝካር፡ ህይወትና ኣብ ናይ ምሾት መንበር "ከይነባኽን"፡ እንታይ ደኣ ኢየሱስ ኣብ ልብና ሒዝና፡ ነቲ ናብ ኣገልግሎት ዝቕየር ጽባቐ ፍቕሪ ከነቃልሕ ይላቦወና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

04 December 2024, 16:22