ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መግንስቲ ኦርባን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግስቲ ኦርባን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐብሎም ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ተረይና ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ሃንጋርን ንመንእሰያት ዝግበር ደገፍን ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ ንግሆ ምስ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም ተራኸቡን እቲ ን35 ደቓይቕ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ተዛዘመ ስነ ስርዓት ምልውዋጥ ጸገ መረኸት ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ወግዓዊ ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ኦርባን ብበዓልቲ ቤቱ ኣኒኮ ለቫይን ልኡከ መንግስቲ ሃንጋሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኤድዋርድ ሃብስበርግ - ሎትሪንገንን ከም እተሰነዩ ኣፍሊጡ።

መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሮስላው ዋቾውኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ እቲ ዘተ “ጽኑዕን ፍረ ዘለዎን ክልተኣዊ ዝምድናታት” ሃንጋርን ቫቲካንን ዘጉልሐ ኮይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕባለን ሰናይ ሂወት ሕብረተሰብ ሃንጋሪ እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ፍሉይ ኣፍልጦ ዝሃበ ምንባሩ ኣመላኺቱ፡ ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ዘተ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኮይኑ፡ ንሰብኣዊ ሳዕቤናቱን ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ጻዕርታትን ኣቓልቦ ዝሃበን ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃንጋሪን፡ ከምኡ እውን ሃንጋሪ ዘለዋ ተረይና ስልጣን ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ተራ ስድራቤትን ምክልኻል መንእሰያት ወለዶታትን ዝምልከት ከም ዝነበረን ኣፍሊጡ።

05 December 2024, 16:14