ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ መራሔ መንግስቲ ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣቦ መንበር ግዚያዊ ባይቶ ሚኒስተራት ሪፓብሊክ ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ሚካቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ርክብ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሊባኖስን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ንሰናይ እታ ሃገር ኣገዳስነት ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ክርስትያናዊ ባእታን . . . ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ምርጫ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊክ ብዘይምህላዉ ዝድረኽ ዘሎ ማሕበረ - ቁጠባዊ ኩነታት ሊባኖስ እውን ምይይጥ ምክያዱ ኣመላኺቱ፥
ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዘሐጉስ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፡ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መለለዪ መንነት ሊባኖስ ኮይኑ ክቕጽል፡ ከምኡ’ውን ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ሓገዝን ደገፍን ክኸውን ዝብል ተስፋ ዳግም ዘዘኻኸረ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ፥ መራሔ ግዜያዊ መንግስቲ ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምስንባቶም ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምክያዱ ይሕብር።