ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ታሕሳስ ንጉሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካም ምስ ዝኣተዉ ርእሰ ብሔር ፍልጥኤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ 30 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ዘተ፡ ርእሰ ብሔር ኣባስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ "ፍርያምን ኣዕጋብን” እንክbሉ ገሊጾም፥ "ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ምስ ናይ ቀደም ዓርከይ ዝተራኸብ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ” እንክብል ገሊጹ፥ ኣስዒቡ እዚ ርክብ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምዃኑ እውን ይሕብር።
ርእሰ ብሔር ኣባስ "ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ብቐጻሊ ዝዛረብዎ ቃላትን ምስቶም ግዳያት ኲናት ቓዛ ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ኩሉ ግዜ ዝገልጾም ቅርበትን ሓገዝን ኣመስጊነዮም . . . ሃገረ ፍልስጤም ብማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ክወሃባ ዘቕርብዎ ጻውዒት ክቕጽል ማለት ሰላም ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ኣማራጺ ስለ ዘየለ . . . ቅድስቲ መንበር እውን ደጋጊማ እተቕርቦ ሓሳብ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ እዚ መገዲ እዚ ክሕረ ኣለዎ” ከም ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር
ርእሰ ብሔር ኣባስ ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ "ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ" ከም እተዘተየሉን፡ ከምኡ'ውን "ተኹሲ ደው ምባልን ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍትሑን" ዝብል ተስፋ ዘቃልሔ እውን ምንባሩ የመላኽት።
ካልእ ኣርእስቲ ድማ “ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ፍልስጤም ዘለዋ ኣገዳሲ ኣበርክቶን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ሰብኣዊ ጻዕርታት ዘማእከለ ተራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ፍልጥኤም ዝብል ምንባሩ የነጽር።
እቲ ክሌኣዊ ዘተ ብዓመጽ ዘይኮነስ ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝፍጸም ዘተ ኣቢሉ ናይ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ምትግባር ኣድላይነቱ፡ ከምኡ’ውን ንኢየሩሳሌም ፍሉይ ህልዊ ዂኔታ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ንሰለስቲአን ዓበይቲ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምና ሃይማኖታት ናይ ዕርክነት ስፍራ ክትከውን” ዝብል ሓሳብ እውን ከም እተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።
ኣብ መወዳእታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝመጽእ ቅዱስ ዓመት 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ዘተ ከም እተኻየደን ዓመት ኢዮቤል “ነጋድያን ናብ ቅድስቲ መሬት ዝምለስሉ” ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ብክሊቲኦም ኣካላት ዘሎ ተስፋ ከም እተገልጸ ኣፍሊጡ።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ርእሰ ብሔር ኣባስ ኣብ ፍጻሜ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ንርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ ካብ ዘቕረቡሎም ህያባት ሓደ ንመዓልቲ ሰላም 2024 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ሰላም ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ ርእሰ ብሔር ኦባስ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ልሔም ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘክየድሉ እውን ብሓባር ዝተሳእለዎ ስእልን ነቲ ምብጻሕ ዝግለጽ ኣሳእልን ከምኡ እውን ካብ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ዝተላእከሎም ቅዱስ ምስሊ ሓላዊ ቓዛ ቅዱስ ጵርፍሮስ ከም ዘቕረቡሎምን ኣፍሊጡ።