2019.12.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ብውፉይነትን ግብረ ሰናይን ሰግዉ 2019.12.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ብውፉይነትን ግብረ ሰናይን ሰግዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንፍቕሪ ክርስቶስ ብውፉይነትን ግብረ ሰናይን ሰግዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰቪሊያ ስጳይና ናብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሕውነትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተጋባእያን ብተወፋይነትን ሓድነትን ብተግባራት ግብረ ሰናይን ፍቕሪ ክርስቶስ ክስግዉ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ ኣብ ሰቪላ ናብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሕውነትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንመግለጺታት እምነቶም ካብ ማሕበራዊ ኣካሊት ከይነጸሉ ብውዕዉዕ ስምዒት ንዝነብሩ ህዝቢ ሰቪሊያ ዘለዎም ፍሉይ ተወፋይነት ዕዙዝ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እዚ ህያው እምነት እዚ ውልቃዊ ጉዕዞ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርጽ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምዃኑ ከም ዝስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕመረት ተልእኾ ዝግበር ጉዕዞ

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ሓቀይና ኣድማዕነት ህዝባዊ መንፈሳውነት ንክርስቶስ ናብ ዓለም ዘቅርብ ዘለዎ ሓይሊ ኣስሚሮም፥ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ማኑኤል ጎንዛለዝ ጠቒሶም፥ ክርስትያናዊ ሕይወት "ብክርስቶስ ዝብገስ ናብ ክርስቶስ ዘበጽሕን እዩ፥ ቢሎም፥ እዚ ድማ ነቲ ቤተ - ክርስትያን ንሰባት ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዘለዋ ተልእኾ ዘመላኽት ምዃኑ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ተወፋይነት ዝርከብ ሓድነት እውን ኣጕሊሖም፥ "ብጽንዓትን ብትዕግስትን እተፈላለየ ዝዓይነቱ ኣገልግሎታት ስኒት ከም ዘለዎ" ገሊጾም፥ መስቀል ተሰኪሙ ይኹን ብጸሎት ጥራይ "ሓደ ዓይነት ውዕዉዕ ስምዒት ሓደ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ዝንበር" ቢሎም፥ እዚ ነቲ "ጽባቐ ክርስቶስ" ዚገልጽ ሓባራዊ ስኒት ከም ዚፈጥር ኣብሪሆም፥ ድሕርዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 'ብዛዕባ ጽባቐኡ ምእንቲ ኽሓስብ' ምእመናን ናብ ጐደናታት ክርስቶስ ኣብ ምብጻሕ ክቕጽሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተቓጸሉ

ተወፋይነት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዝፈሰሰ "ንብዓት" ክዛረቡ እንከለዉ፥ ኣብዚ ተወፋይነት ዝንበር ስቓይን ፍቕርን ንገሊኣቶም ንምርዳኡ ዘጸግም ክመስል ዝኽእል ግን ከኣ ሓያል ምስክርነት እምነት ከም ዝዀነ ኣብሪሆም፥ ቅዱስ ማኑኤል ጎንዛለዝ ደጊሞም ብምጥቃስ፥ "ህዝቢ [...] ንሓቂ ፍቕሪ ህድኣትን ፍትሒ ሰማይ እውን ሃረር ዝብል እዩ፥ እዚ ድማ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ጽምኢ ኣምላኽ ዝሕብር እዩ፥ ምእመናን ነዚ ጽምኢ ኣምላኽ እዚ ብግብረ - ሰናይ ኣቢሎም መልሲ ክህቡሉ ተማሕጸኖም፡ እዚ ድማ ነቶም ብስጋን ነፍስን ዝሳቐዩ ሰባት ናይ ኣምላኽ ለውሃት ዘብጽሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስዓብ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። “መስቀል ተሰኪምና ይኹን ኣብ ትሕቲ ኣደ ክርስቶስ ኪዳነ ምሕረት፡ ዓውዲ እግዚኣብሔርን ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ይሰማዓና” ቢሎም፡ እዞም ውፉይነታት እዚኣቶም ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዓለም ፍቕሪ ክርስቶስ ንምብጻሕ ዝሕግዙ መገድታት ምዃኖም ሓቢሮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 December 2024, 16:22