2023.03.14 traffico esseri umani, tratta 2023.03.14 traffico esseri umani, tratta 

ር. ሊ. ጳ. ንመዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት - 'ውግእ ንሰባት መሰረታዊ መሰላቶም ይኽልክሎም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምብዓል መራሕቲ መንግስቲ ነቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ መሰረታዊ መሰላት ህይወትን ሰላምን እተነፍጎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሰላም ንኽረኽቡ ዝቐርበሎም ዘሎ ጻውዒት ክሰምዑ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘኽበረሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ዓለም "ሰብኣዊ መሰላት ህይወትን ሰላምን ንዅሉ ካልእ ዝተረፈ መሰላት ኣብ ምጥቃም ኣድላዪ ዅነታት ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኸርዎም።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብውግእ መሰረታዊ መሰሎም ተነፍጉ

እዛ ኣህጉራዊት መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት  ዓመታዊ ኣብ ዕለት 10 ታሕሳስ ኢያ ተዘኪራ እትውዕል እዚ ድማ ዝኽሪ ናይቲ ብ1948 እተገብረ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ ዘዘኻኽር፣ ጾታ ዜግነት ቀቢላ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነት ኵሎም ደቅሰባትን ንምፍላጥ ድማ ብው. ሕ. ሃ. ኣዋጅ ወጸ።

እዚ ዕለት እዚ ነቲ እተገብረ ዕዮን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመሰረት እዚ ኣገዳሲ ሰነድ እዚ ዚግብኦ መሰላት ንምሕላው እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎን ንኸነለልዮን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፣ እዚ መሰላት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንኺኽበር ድማ ስጕምቲ ኺውሰድ ጻውዒት ይዀነና ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ኣህጉራዊት መዓልቲ ኣብቲ ኣብ ኤክስ መሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽእዎ ጽሑፍ መንግስትታት "ነቲ ብሰንኪ ውግእ መሰረታዊ መሰሎም እተነፍጉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሰላም ንኺረኽቡ ዝቐርብ ጻውዒት ኪሰምዑ" ኸም ብሓድሽ ምሕጽንታ ኣቕረቡ፣ ንሳ ድማ "ኣደ ዅሎም ድኻታት እያ" በሉ።

ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ሻቕሎት

እዚ ቃላት ቅዱስነቶም ድማ ነቲ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ንመራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ንሰብኣዊ ኽብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምሕላውን ናይ ንምጥባቕን ግዴታኦም ክፍጽሙ ንዘቕረቡሎም ዘተባብዕ ምሕጽንታኦም ዘቃልሕ ኢዩ ዝነበረ ።

መራሕቲ ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕቋብ እተገብረ ዕቤት ምስጋናኦም ይገልጹ "እንተዀነ ግን ኣብዚ ግዜና ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምጥሓስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ምባሉን ዓሚቝ ሻቕሎት ኢዩ ዘለና" በሉ።

ናይ ትያጥሮንን ዓባይ ብሪጣንያን ሊቀጳጳሳትን ኣቦ መንበር ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ኒኪታስ ከምዚ በሉ - "ጭካነ ዝመልኦ በደል ስርዓታዊ ምጕዳል ፍትሒ ከምኡውን ምብልሻው ሕጊ ከምኡውን ዲሞክራሲ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ሓደጋ የእትዎም ጥራይ ዘይኰነስ መሰረት ናይተን ኣብ ፍትሕን ሓድነትን ሰላምን እተሃንጻ ሕብረተሰባት እውን የዳኽም ኢዩ። ኣብያተ-ክርስትያን ኤውሮጳ ንመሳኪን ንምግልጋልን ንምዕቋብን ከም ክፍሊ ተልእኾአን ኰይኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ኬጋጥመን ከሎ ስቕ ኪብላ ኣይክእላን እየን" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዚፍጸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝረኸብናዮ ዓወታት ተነቃፊ ምንባሩ የዘኻኽረና

ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ኒኪታስ ኣብ ዝጠቐስዎ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር እውን ነተን ኣብያተ - ክርስትያን "ንጭቁናት ክድግፋ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኽኾኑን ከምኡውን ፍትሒ ንምርካብ ደኺመ ኸይበሉ ኽዓዩ " ከም ዝድርኸን ገሊጾም ።

ነቲ ኣብ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግኣት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ዝሰፍሐ ቕልውላው ኣብ ሰሜን ካራባኽ ዘሎ ዅነታት ከምኡውን ሓያሎ ኣብ ካልኦት ዞባታት እተኸስቱ  ቅልውላዋት ብምጥቃስ ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ "ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ኽብርን ናይ ኵሎም ሰባት ብኸመይ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ይኣቱ ኸም ዘሎ ብሻቕሎት ይዕዘባ ኢየን ዘለዋ" በሉ።

ኣስዒቦም ውን ብፁዕነቶም ከምዚ በሉ - "ናይ ሃይማኖትን እምነታትን ናጽነት ምጥሓስ ዘይማዕርነት እናወሰኸ ምኻዱ ኣድልዎ ከምኡውን መሰላት ስደተኛታትን ዕቝባ ዝደልዩ ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ሰባት ነዚ ምጥሓስ እዚ እቲ ዝሓለፈ ዓወታትና ተነቃፊ ምንባሩ ውን የዘኻኽረና።"

ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ ኣረኣእያ ንምሕላው ዝገበራኦ ቆራጽነት

ስለዚ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ክቡር ፍራንክ-ዲተር ፊሽባኽ ንመንግስትታትን ንማሕበራት ኣውሮጳን ንዅሎም እቶም ምስኦም ዝተሓባበሩ ሰባትን ነቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኪውፍዩን ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘሎ ግዴታታት ኪፍጽሙን ተማሕጸኖም።

ጳጳስ ሉተራዊት ቤተክርስቲያን ነቲ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላት ከም እምኒ መኣዝን ሰላማዊ ህላወ ገይርካ ንምርኣይ ዘለዎ ቘራጽነት ውን ደጊሞም ኣረጋገጽዎ - "ከም ኣብያተ - ክርስትያን ኣውሮጳ መጠን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝሳቐዩ ደው ክንብል ንፍትሒ ኽንጣበቕ ከምኡውን ንሰብኣዊ ኽብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንድገፍን ከነዕቍብን ዘሎና ጻውዒት ከነጕልሕ ቈሪጽና ኢና ። " እዚ ንዅላትና ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምጥባቕ ብትብዓትን ብርሕራሐን ብምትእምማንን ስጕምቲ ንኽንወስድ ይድርኸና" ክብሉ ውን ደምደሙ።

ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ

ናይዛ ዓመት እዚኣ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ቅዉም ሓሳብ "መሰላትና፣ መጻኢና፣ እዚ ዘመና" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ፍታሕ ከም ዘምጽእ ከምኡውን ከም ናይ ምክልኻልን ዕቝባን ከምኡውን ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ መጠን ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ኢዩን።

11 December 2024, 14:49