ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም መልእኽቲ ተስፋ ንእሱራት ኣብ ቤት ማሕቡስ ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍቱ እዮም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሸት ኣብ ዋዜማ ልደት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብዕሊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ በሪ ብምኽፍት ከበግሱ እዮም፣ ስዒቡ ድማ ኣብ ዘፈላለያ መዓልታት ናይተን ካልኦት ሰለስተ ዓበይቲ ባዚሊካታት ሮማ ብኽብሪ ክኸፍቱ ከም ዝኾኑ ቅድም ክብል ከም እተሓበረ ይዝከር።
ምኽፋት ሓምሻይ ቅዱስ ማዕጾ ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ
ኣብዚ ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ትውፊት ኢዮቤል ንፈለማ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ሮማ ሓምሻይ ቅዱስ ኣፍደገ ክኸፍቱ እዮም፣ እዚ ድማ “ንኹሎም እሱራት ብተስፋን ዝተሓደሰን መንፈስ ንመጻኢ ክጥምቱ ዝዕድም ናይ ምትእምማን ስምዒት ዘተባብዕ ምሳልያዊ ምልክት እዩ።”
እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስርዓት፡ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀድሜ ሰማእት፡ ኣብታ ድሮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሰሙን ሕማማት ሓሙስ ስርዓት ሕጽበተ እግሪ ኣብ ዝፈጸሙሉን ክፍሊ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ቤት ማሕቡስ ረቢቢያ ቅዱስ ኣፍደገ ክኸፍቱ እዮም።
ኣብዚ ግዜ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነጋዲ ተስፋ” ኮይኖም እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ማሕቡስ ብስራሕተይናታትን ቆሞሳት ቤት ጸሎት ኣባይቲ ማሕቡስን ብፍላይ ከኣ እቶም ካብ ዘፍቅርዎም ሰባት ብዙሕ ዘይብጽሑ ብፍቕርን ተወፋይነትን ከገልግልዎምን ክሃንጽዎም ዘተባብዕ እዩ።
ኣብ ቤት ማሕቡስ ሪቢብያ ናይ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ሉቾ ቦልድሪን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ "እቶም እሱራት ካብ ሕብረተሰብ እተፈልዩን ዝረሓቑን ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ንር.ሊ.ጳ. ብሓጐስ እዮም ዚጽበይዎም . . . ቅድሚ እቲ ምብጻሕ "ኵላትና ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘሕድሮ መንፈስ ሓሴት ንምትሕልላፍ ቈራጽነት ክንገብር ኢና" ኢሎም።
ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እሱራት ቀጻሊ ሓልዮቶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ እሱራት ዘለዎም ቅርበትን ጸሎትን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ተረኺቦም ከረጋገጹ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቶም ንእሱራት ዓሚቝን ቀጻልን ሓልዮት ዘርእዩን፡ ክብረቶም ክኽበር ከምዝግባእ ብምጉላሕ፡ ሕብረተሰብ ንእሱራት ከም ዝተገሉን ዝተነጸሉን ዘይኮነስ ከም ለውጢ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት ክርእዮም ዘተባብዕ እዩ . . . እዚ መርገጺ እዚ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ኮይኑ ምሕረትን ምድሓንን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ውላድ ኣምላኽ ምርኣይ ኣገዳስነቱን ዘጉልሕ እዩ።
ምጉስጓስ ንጽገና ቤት ማእሰርቲ
ሕመረት ምሕጽንታኦም፡ ንባህርያዊ ክብሪ ኩሎም ደቂ ሰባት፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዘለዉ፡ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ጻውዒት እዩ። ምስ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ብምስምማዕ፡ ኣብያተ ማሕቡስ ከም መቕጻዕቲ ቦታታት ጥራይ ዘይኮነስ ከም ትካላት መሕወይን ሕዳሴን ምርኣይ ከምዘድሊ የጒልሕ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ግዳያት ናይ ፍትሒ መሰል ከምዘለዎም ኣፍልጦ ይህብ።
ብተደጋጋሚ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ናይ ዘይምግዳስ ባህሊ ዘቃልዕን እቶም ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ እውን ከይተረፉ ሰብኣውነቶምን ናብ ዝሓሸ ሕይወት ናይ ምቕያር ዓቕሞምን የዘኻኽሩ። ከምኡ እውን"ሕቡእ ናይ ሞት ፍርዲ" እንክብሉ ዝገልጽዎ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብግልጺ ይነቕፉ፡ ኣብ ክንድኡ ንሕዳሰን ማሕበራዊ ዳግመ - ውህደትን ቀዳምነት ዝህቡ ስርዓታት ክህሉ ዝጣበቕ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ደጋጊሞም ዘቕርብው ጻውዒት ዘቃልሕ እዩ።
ዘሕውይ ፍትሒ ኣንጻር ሕነ ምፍዳይ ዘማእከለ ፍታሒ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝገብርዎ ምብጻሕን ንእሱራት ዘርእይዎ ቅርበት ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ዝረአ ጻዕቂ እሱራትን ኢሰብኣዊ ኩነታትን ምግላል እሱራትን ንምፍታሕ ዝዕድም እዩ . . . ኣብ መደባት ምሕዋይ ፍትሒ ወፍሪ ክግበር ብምምሕጻን፡ ምልክታቱ ጥራይ ዘይኮነስ ሱር ማሕበራዊ ጠንቅታት ገበን ምፍታሕ ከምዘድሊ የጒልሑ . . . ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ፡ ኣብ ምሕዳስን ምሕዋይን ዘማእከለ ስርዓተ ፍትሒ፡ ኣብ ማሕበረሰባት ዝምድናታት ዳግማይ ናይ ምህናጽ ኣገባባት ዘተባብዕ እዩ።
ኣብ ዝተገለሉ ጉጅለታት ኣተኩር
ኣብ ጉስነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተደጋጋሚ ዛዕባ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ህዝቢ ብዘይመጠን ዝውክሉ ዝተገለሉ ብፍላይ ድማ ድኻታትን ተቓላዕትን ዘለዎም ስክፍታ ዘጒልሕ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እዞም ጉጅለታት ዝለዓለ መጠን ማእሰርቲ ንኽህሉ ኣበርክቶ ዝገብር ስርዓታዊ ዘይምዕሩይነት ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ሕብረተሰብ ንማሕበረ - ቁጠባዊ ሱር ገበን ክፈትሖ ዝላበው። ዘቕርብዎ ጻውዒት ንፍትሒ ኩለንተናዊ ኮይኑ፡ ኣብ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቶም ነቲ ሕማቕ ዓንኬል ድኽነትን ገበንን ዘቐጽሉ መሓውራት እውን ዘተኮረ እዩ።
ፍራንቸስኮ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝገብርዎ ዑደት
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቃላት ንላዕሊ ብተግባራቶም ብዓውታ ይዛረቡ፣ ከምቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግር ምፍጻም፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ኣስላምን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ እሱራት እግሮም ክሓጽቡን እዚ ኣዝዩ ምሳልያዊ ምልክት ንሕብረተሰባዊ ጽልኢ ዝብድህን ናይ ምትሕግጋዝ መልእኽቲ ዘመሓላልፍን እዩ።
ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ሓዋርያዊ ጉዕዞታቶም ብቐጻሊ ናብ ኣብያተ ማሕቡስ ይበጽሑ። ንኣብነት ኣብ 2015 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ኩራን - ፍሮምሆልድ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ ሜክሲኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ቤት ማእሰርቲ ሲዩዳድ ኹዋረዝ ዝገብርዎ ምብጻሕ ንዝክር። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ናይ ተስፋ መልእኽትታትን . . . ንእሱራት ዘለዎም ዕቑር ናይ ምልዋጥን ሕዳሴ ዓቕሞም ከም ዘዘኻከሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እግዚኣብሄር ይቕረ ምባል ፈጺሙ ኣይደክምን ክንየው ድሕነት ዝኾነ ሰብ የልቦን
እቲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝደግምዎ ካብ ምሕረትን በጃን ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ የለን፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም ጽዩፋት ገበናት ዝፈጸሙ እውን እንተኾኑ . . . ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብዚ ዓመት ሰሙነ ሕማማት ቅዱስ ሓሙስ ኣብ ረቢቢያ ክፍሊ ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፥ "ኢየሱስ ይቕረ ኣብ ምባል ፈጺሙ ኣይደክምን" ዝበልዎ፡ ደጊሞም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቬነዚያ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ጁዴካ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብምዝኽካር፡ ቤት ማሕቡስ ንህይወት ዳግማይ ንምህናጽ ዝሕግዝ ናይ ስራሕ ቦታ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፥ እሱራት “ኩሉ ግዜ ምስ ተስፋ ናብ መጻኢ ክጥምቱ" ዝሕግዝ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።