ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኒካራጓ ምእመናን: ኣብ ጸልማት እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ኣምላኽ ተወከሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኒካራጓ ምእመናን: ኣብ ጸልማት እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ኣምላኽ ተወከሉ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኒካራጓ ምእመናን: ኣብ ጸልማት እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ኣምላኽ ተወከሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብ ኒካራጓ ዝርከቡ ጸሎተ ታስዕቲ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዘብዕሉ ዘለዉ ምእመናን ዋላ እኳ ብድሆታት እንተጋጠሞም ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎም እምነት ክጸንዑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ዕለት 2 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ናብ ምእመናን ኒካራጓ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዙሕ ጸገማትን ብድሆታትን እውን እንተሃለወ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ከየጥፍኡ ተማሕጾኖም ምስ ህዝቢ ኒከራግዋ ዘለዎም ምቅርራብን ሓድነትን ገሊጾም፥ “እቲ ዘሰንየናን እንኮ ርግጸይና መርሕና ዝኾነ ፈቃር ሓልዮት ጐይታ ኣይትረስዑ” . . . ምእመናን ኒካራጓ እቶም ክልተ ዓበይቲ ተመክሮታት ዘብርሁ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም "ውሉዳዊ እምንቶን ንቤተክርስትያን ዘለዎም ተኣማንነትን" ኣጽኒዖም ክሕዙ ከም እተላበዉን ቅዱስነቶም ኣብ ኒካራጓ ብሑት ዘይርጉጽነትን ብድሆታትን ከምኡ’ውን ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጠም ዘሎ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ብዙሓት ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ማሕበራትን ትካላትን ክዕጸዋ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ካህናትን ጳጳሳትን ክስጎጉን ክእሰሩን ዝገብር ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዘጋጥማ ዘለሉ እዋን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ማርያናዊ ውፉይነት

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ኒካራጓ ባህልን እምነትን ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ህዝቢ ኒካራጓ ካብ ንማርያም ዘለዎም ተወፋይነት ዝነቐለ ኣብ ጸሎተ ታስዕቲ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ብዝነብርዎ መንፈሳዊ ሓይሊ ተደጊፎም ኣብ ኣምነት ዝጸንዕሉ እዋን ምዃኑ ብምዝኽካር  ነታ ብቐጻሊ ምንጪ ዕቝባ ዝኾነት ድንግል ማርያም ዘለዎም ሞሳን ፍቕርን ብምጥቃስ - "እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ቦታን እተስተማቕርዎ መንፈስ ኣደነት ማርያም ናይ ወትሩ ተመክሮኹም ነቲ ዘለኩም ምዕሩግን ሃብታምን ዝኾነ መንፈሳውነትኩም መርኣያ እዩ” . . . ቤተ ክርስቲያን ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ምእመናን ዘብዕልዎ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ምንጪ ሓይልን ምሕዳስን ኮይኑ ከገልግል ኣተባቢዖም፡ "እዚ በዓል እዚ (...) ኣብ ጸገማት፡ ዘይርጉጽነትን ብድሆታትን ዘድልየኩም ሓይሊ ክጸግወኩም ተስፋ እገብር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲክን የመላኽት።

ጸሎት መቝጸርያ፡ ምስ ኣምላኽ ምርኻብ እዩ

ቅዱስነቶም ነቲ ንኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ብእምንቶ ናይ ምሃብ ልምዶም "ንኣምላኽ ቀዳምነት" ዝህብ ጸሎቶም ክቕጽልዎ ዓዲምዎም፡ ጸሎት ብፍላይ ከኣ መቍጸርያን መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ምስ ኣምላኽ ርክብ ንኽህልወና ዘኽእል መጋበርያ ምዃኑ ኣዘኻኸሪም፥ “ብጸሎት መቝጸሪያ ክንደይ ጸጋ ንረክብ፤ ሓያል ጸሎት እዩ” ብምባል ምእመናን ሓጐሶምን ቃልሶምን ንኣምላኽ እናረከቡ ብዛዕባ ምስጢር ኢየሱስን ማርያምን ከስተንትኑ ዓደሞም፥

ጸሎት ኢዮቤል

ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም፥ “ኣደ እግዚኣብሔር ምእንታኹም ካብ ምምላድ ኣይተቋርጽን፡ ንኢየሱስ ወትሩ ብኢዱ ሒዙ ከሰንየኩም ናይ ወትሩ ጸሎተይ እዩ! . . . ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዝደረስዎ ጸሎት ዘስመሩሉ፥ ጐይታ ሰላም "ኣባና ነጋዲያን ተስፋ፡ ናፍቖት ሰማያዊ ጸጋታት ዳግማይ ከበራብር” ንለምኖ ዝብል ጸሎት ተወኪሶም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 December 2024, 16:38