ር. ሊ. ጳ.፦ ተስፋኹም ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ግበሩ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍናቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ነቲ ካብ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም እተወልደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብናን ኣእምሮናን ክንከፍተሉ ተማሕጸኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ትማሊ ሰንበት ንጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተነኽቡ ምእመናን፣ ብዛዕባ ናይ ዕለተኡ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ንዝተነበ ቃል ቅዱስ ወንጌል ብምስትንታን ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፊሎም፣ ብዛዕባ እዛ ሎሚ ዘንበብናያ ወንጌል "ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ባህ ዜብልን ፍጻመታት እዩ " ውን በሉ ። ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ነቲ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ ንዝተነግራ ብስራት ትስብእቲ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ "ሕራይ" ቢላ ተቐበለቶ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣብነት እዚ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜደንቕን ልብኻ ዝትንክፍን ከም ዝዀነ ገይሮም ገለጽዎ፣ ከመይሲ "እቲ ልዕሊ ኵሉ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ብመልኣኹ ኣቢሉ ምስ ሓንቲ ካብ ናዝሬት ዝኾነት ንእሽቶ ጓል ብምዝርራብ ኣብ ድሕነት ደቂ ሰባት ኽትተሓባበሮ ሓተታ።"

መለኮታውን ሰብኣውን ምርኻብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ሚካኤልኣንጀሎ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ብዛዕባ ፍጥረት ኣዳም ዝገልጽ ህቡብ ቅብኣ ስእሉ ብምዝካር ኣጻብዕቲ ሰማያዊ ኣቦን ኣጻብዕቲ ናይ ሰብ ንዝተንከየሉ ቦታ ብምዝካር ድንግል ማርያም "እወ" ኽትብል ከላ ውን ብምዝካር፣ ኣብዚ ቦታ እዚ ሰብኣውን መለኮታውን ምርኻብ ብኸመይ ከም እተራኸበ ገለጹ። ንሳ ድንግል ማርያም ካብ ሓንቲ ምሕድግ ዝበለት ቍሸት ኢያ መጺኣ፣ "ኣብቲ ዝሃበቶ መልሲ ኸኣ መፈጸምታ ደቅሰብ ዝምርኰሰሉ ኢዩ ዝነበረ፣ ከመይሲ ጽሕፍቶኣ ኣብ ጽቡቕ ኣእዳው ተቐሚጡ ኢዩ ዘሎ፣ ነዚ ብምርኣይ ድማ ፍሽኽ ክንብልን ተስፋ ክንገብርን ንኽእል ኢና።"

"ጸጋ ዝመልኣኪ"

ከምቲ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ሰላም ዝበላ ማርያም "ጸጋ ዝመልኣ" ኢያ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንሳ “ንጽሕቲ፣ ብምልኣት ንኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ከም ዝተወፈት፣ ኩሉ ግዜ ውን ምስ ኣምላኽ ከም ዝነብረት፣ ንዓኡ ውን ኩለትናኣ ከም ዝወፈየት” ገለጹ። ብጽዕናኣን ጸጋኣን ድማ ብዅሉ ወለዶታት ክኸብር ኢዩ፣ ንሕናውን “እዛ ንጽሕተ ንጽሑሓን ዝኾነት ድንግል ንኢየሱስ መድሓኒና ስለ ዝሃበና ንተሓጐስ" በሉ።

ተስፋይ ኣበይ እየ ዘንብሮ ዘሎኹ ?

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተስፋና ኣበይ ኢና ኣንቢርናዮ ዝለኦና - ኣብ ገንዘብ፣ ኣብቶም ሓያላት ኣዕሩኽና ወይስ "ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ " ኣበይ ከም ዘንበርናዮ ንርእስና ኽንሓትት ሓሳባት ኣቕረቡልና ። ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለምና ከምኡውን ንመሃዝነትን ንምዕብላልን ዝግበር ጻዕርታት ብምጕላሕ ሓጐስ ንምርካብ ዘብለጭልጭ ናይ ሓሶት ኣርኣያታት ከም ዘስፋሕፍሕ ብምግባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "መዝገብ ልበይ ኣበይ ኣሎ?" ክብሉ ሓተቱ። "ኣምላኽ ብናጻ ኸም ዘፍቅረኒ ፍቕሩ ወትሩ ኣብ ቅድሜይ ከም ዘሎ፣ ናብኡ ምስ ተመለስኩ ድማ ይቕረ ንምባል ድሉው ምዃኑ" ኽንቅበሎዶ ኣይግብኣናን?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

ዓመት ኢዮቤል ተስፋ

ኣብ ዚቕጽል ሰሙናት ናብ ዓመት ኢዮቤል 2025 ከምኡውን ናብ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት ቅዱስ ኣፍደገ እናቐረብና ብዝኸድናዮ መሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኻብ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም እተወልደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብናን ኣእምሮናን ክንከፍተሉ ጸልዮም፣ ንሕናውን ብኣማላድነታ ኽንልምኖ ተማሕጸኑ። ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ነቲ ወትሩ ይቕረ ዝብለልና ጐይታ ልብና ንኽንከፍተሉ ክሕግዘና ምስጢረ ንስሓ ክንዲ ዝኾነ ንዅሎም ምእመናን ናብ ኑዛዜ ክኸዱ ኣተባብዕዎም።

09 December 2024, 15:53