ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ ልደት ትርኢት ኣብ መንጎ ሰላምን ድኽነትን ምንጻግን ዘሎ ሓቀይና መኣዛ የረጋግጽ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ በዓለ ልደት ጽምብላት ኣብ እተስተማቕረሉ ዘላ መዓልታት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ትርጉም ክቡር ዋጋ ልደት ዘስተንተንሉ Admirabile signum- ዘደንቕ ምልክት ብዝል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 30 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ "ብርሃንን ሰላምን ድኽነትን ምንጻግን" ምጽኣት ክርስቶስ ምልክት ዝኾኑ ምርኣይ ኣብቲ ሓቀይና በዓል ልደት ምስ ጓሶት ክንኣቱ" ይድርኸና ቢሎም በዚ መሰረት ድማ "ክውንነትና ናብ ኢየሱስ" ከነቕርብ ይላበዉ፣ ምኽንያቱ ሓቀይና መንፈስ በዓል ልደት ማለት ኢየሱስ ብኣምላኽ ምፍቓርና ዜምጽኦ ጽባቐ" ነስተማቕር ዝብል ዝፈነውዎ መልእኽቲ ደጊሙ የዘኻኽረና።
ኣብ ታሪኽ ድሕነት እትሳተፍ ኮይኑ ይሰመዓካ
ትርኢት ልደት ካብ ገጻት ቅዱስ ጽሑፍ ዝውሕዝ ህያው ወንጌል እዩ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ብዛዕባ በዓለ ልደት እተስተንትን Admirabile signum - ዘደንቕ ምልክት ብዝብል እርእስቲ ኣብ ዘመላላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝበልዎ ኮይኑ፣ "ብትሕትናኡ ተማሪኽና ብመንፈስ ናብ ጉዕዞ ክንብገስ ንዕደም። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክራኸብ ሰብ ኮነ" እንክብሉ ብምዝኽካር፡ እዚ ኣብ 1223 ዓ.ም. ብቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ግሬቺዮ "ዝተማህዘ" ልደት ትርኢት ዘዘንትው ኣብ መብልዒ ማል ምውላድ ኢየሱስ ኣብ ግዜ ልደት ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣብያተ ክርስትያንን ጎደናታትን ዝቐውም ክርስቲያናዊ ባህሊ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ነቲ "ኣብ ቤተልሄም ዝተፈጸመ ታሪኽ ዳግማይ ንምንባር ይሕግዝ" ከምኡ'ውን፡ ምስ ቅርጻታቱ፡ እቲ . . . ዝተፈላለየ ምድላዋት፡ መልክዓ ምድርን እቶም ንዕኡ ዝመልኡ ዝተፈላለዩ ገጸ ባህርያትን፡ "ኣብ ታሪኽ ድሕነት፡ እዋናውያን ናይቲ ኣብቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ታሪኻውን ባህላውን ኵነታት ህያውን እዋናውን ዝኾነ ፍጻመ፡ ዝሳተፉ ኮይኑ ክስምዓና ከምኡ እውን . . . ነቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ትስብእቱ ንርእሱ ዝመረጾ ድኽነት 'ምትንካፍን ይዕድመና” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የብርሁ። ኣብቲ ቕዱስ ምስሊ "ኣብቲ ኻብ መብልዕ ማል ቤት - ልሄም ናብ መስቀል ዝመርሕ መገዲ ትሕትና ድኽነት ርእሰ - ምኽሓድ" ንክርስቶስ ክንስዕቦ ንጹር ምሕጽንታ ከም ዝቐረበ ኣስተብሂሎም፥ ኣስዕብ ኣቢሎም - "ምስኡ ንኽንራኸብን ነቶም ዝደኸዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሕረት ንኸገልግሎን ምሕጽንታ እውን ዘቕርበሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ልደት ትርኢት ንኣስተንትኖ ብሓባር
ኣብ ትርኢት ልደት ዘሎ ኩሉ ነናቱ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ Admirabile signum - ዘደንቕ ምልክት ብዝብል እርእስቲ ኣብ ዘመላላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣስተብሂሎም፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ - መዘኻኸሪ ናይታ ሓደ ሓደ ግዜ "ንህይወትና ዝኸበባ" ግን ከኣ እግዚኣብሔር ንርእሱ ህልው ዝገብረላ ለይቲ -፣ እቲ " ዑናታት ኣባይቲ" ከምኡ'ውን ጥንታውያን ህንጻታት - "ዝርአ ምልክት ናይ ዝወደቐ ሰብኣውነት፡ ናይ ኩሉ ኣብ ዑና ዝወድቕ ዘሎ፡ ዝተበላሸወን ዝሐዝንን" ግን ኢየሱስ "ክፍውስን ዳግማይ ክሃንጽን ከም ዝመጸ" -፡ ወይ ድኻታትን ዝልምኑን - ንሱ "እግዚኣብሄር ነቶም ዝበዝሑ ኣድላይነት ፍቕሩ ዝስምዖምን ዝልምኑን ሰብ ቀረባ ምዃኑ" የዘኻኽሩና። ደሓር ከኣ እቲ ናይ ልደት ትርኢት "ስፍራ" ንኣስተንትኖ ንኽንራኸብ ዝድርኽ ቦታ እዩ - ናይ መራኸቢ ስፍራ” ዝብል ኣስተንትኖ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 21 ታሓሳስ ንስራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ብምኽንያት በዓለ ልደት ሰላምታ ንምልውዋጥ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ "ኣብ ዙርያ እቲ ናይ ልደት ትርኢት ተኣኪቦም፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሃቦም ህያባት ከመስግኑ፡ ንመጻኢ ዘድልዮም ሓገዝ ንኽልምኑ ህሞታት ክረኽቡ"። ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ ትርኢት ልደት ምእካብ እውን "ኣብ ቅድሚ ህጻን ኢየሱስ ንሓድሕድኩም ምቅርራብን ፍቕርን ንኽትሕድሱ ዕድል እውን እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ።