ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኮርሲካ - 'ሕዝባዊ መንፈሳውነት ንስብከተ ወንጌልን ማሕበረሰብን የስፋሕፍሕ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ኮርሲካ ዘካየድዎ ሓውርያዊ ጕዕዞ ኣብ ናይ መጀመርታ መደረኦም ሕዝባዊ መንፈሳውንት ግዜኡ ዝሓለፎ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ሎሚ ንማሕበረሰብን ኣባልነትን ዘደልድል ሓያል መገዲ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ከም ዝኽእል ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣብ ኣጃቺያ ኣብ እተኻየደ "ዋዕላ ብዛዕባ ሕዝባዊ መንፈሳነታት ኣብ ማዕከላትይ ባሕሪ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ መደረ እቲ ናይ እምነት መግለጺታት "ንጡፍ ወንጌላዊ ሓይሊ" ኣብ ዓለማዊ ሕብረተሰባትና ከም ምዃኑ ኣትሒትካ ክርአ ከም ዘይብሉ ከምኡውን ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናንን ዓለማውያንን ባህልታት ሃናጺ ዘተታት ክግበር ከም ዘለዎ ገለጹ ።
ዘተ ኣብ መንጎ ክርስትያን ዓለማውያን ባህልታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ መደረኦም እቲ "መበቈል ብዙሕ ዝማዕበሌታትን ስልጣነታት" ዝዀነት ማእከላ ባሕሪ ብታሪኻዊ መዳይ ነቲ ንዘመናዊት ዓለም ዝጸሉ ባህልታትን ሓሳባትን ሕጋውን ትካላውን መስርሕ ብኸመይ ከም ዘገልገለለን ከምኡውን እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቅሰብን ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ኣብ መወዳእታኡ ብሥጋዌ ኢየሱስ ክርስቶስ መፈጸምታ እተረኽበሉ ቦታ ምዃኑ ውን ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘመናት ዝኣክል ክርስትያናዊ እምነት ንህይወት ህዝብታትን ፖለቲካዊ ትካላትን ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ውን ኣስተንቲኖም ኢዮም፣ ሎሚ ግን ሰባት ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽን ቃሉን "ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ግዲ ዘይብሎም" ኰይኖም ኣለዉ።
ይኹን እምበር እዚ "ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ክርስትያናዊ ባህልን ዓለማዊ ባህልን ንሓድሕዱ ምጽራር ናብ ተሃዊኽካ ምሕሳብን ስነ-ምግባራዊ ውሳነ ምውሳድን" ከምርሕ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ኣረኣእያ ዘሎ ሓባራዊ ግሉጽነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣድላዪ ኢዩ" በሉ፣ እዚ ድማ ዘይኣመንቲ ወይ ካብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝረሓቑ ሰባት "ንሓቅን ፍትሕን ሓድነትን ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ጓኖት ኣይኰኑን" ዝብል ኢዩ።
"ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት እኳ እንተ ዘይኰነ ኣብ ልቦም ዓብዪ ጽምኢ ትርጕም ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ማለት እዚ ድማ ምስጢር ህይወት ከም ዜስተንትኑን ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት ከም ዚደልዩምን ይገብሮም" በሉ።
ሓይሊ ስብከተ ወንጌልን ሕንጸት ማሕበረሰብን ዝኾነ ሕዝባዊ መንፈሳውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ንጽባቐን ኣገዳስነትን ሕዝባዊ መንፈሳውትን ክንርድኦ ንኽእል ኢና" ብምባል ውን ኣጋገጹ፣ እዚ ድማ ሰባት— ብዕምቆት ምንፈሳውያን ንክኾኑን ኣብ ዙርያ እምነት—ምስ መንፈሳዊ መበቈሎም ክራኸቡን ዘኽእሎም ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቕልል ዝበለ መንፈሳዊ ተግባራት ኣብ ባህሊ ህዝቢ ሱር ብዝሰደደ ምሳልያዊ ቛንቋን ኣቢሎም እምነት ብምግላጽ ከምዚ በሉ - "ሕዝባዊ መንፈሳውነት ኣምላኽ ኣብ ህያው ስጋ ታሪኽ ከም ዘሎ ይገልጽ ምስ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ርክብ የደልድል መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንምርኻብ ባህሊን ምልውዋጥን ከምኡ ውን ንምጽንባሉን ዝኸውን ኣጋጣሚ ይፈጥር።"
"እቲ ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ሕዝባዊ መንፈሳውነት ኣብ ባህሊ ብኸመይ ከም እትሳተፍን ብቐጻሊ ብኸመይ ከም እነመሓላልፎን ንኽንርኢ የኽእለና ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣትሒትና ኽንርእዮ ዘይብልና ንጡፍ ናይ ስብከተ ወንጌል ሓይሊ ኢዩ፣ ከምዚ ዘይምግባር ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ክንዲ ዝኾነ።"
ጉስነታዊ ሜመያ ከም ዘድሊ
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሕዝባዊ መንፈሳውነታት ናብቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ተሳትፎ ዘይብሉ ግዳማዊ ወይ ጽውጽዋይ ዝመልኦ ጽምብላት ወይ እውን ናብ ማሪታዊ እምነት ናይ ምውራድ ዘለዎ ሓደጋ እንደገና ብምግላጽ "ብጥንቃቐ ሥነ መለኮታዊ ኮነ ጉሥነታዊ ሜመያን" ኣብ ምግባር ንቑሓት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣወንታዊ ጽልዋ ሕዛባዊ መንፈሳነት ኣብ ማሕበረሰብ
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ ናይ ብሕቲ ጕዳይ ዘይኰነስ" ሰብኣዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ዕቤትን ከምኡውን ንተፈጥሮ ምክንኻን" ንምድንፋዕ ቈራጽነት ብምግባር ነቲ ሕዝባዊ መንፈሳነታት ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ዘሕድሮ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣመልኪቶም ኣስተንተኑ። ሕዝባዊ መንፈሳውንት ምህላው ንማሕበረሰብ ዘደልድሎ ከምኡ ውን ምስ ዓለማውን ሲቪላውን ፖለቲካውን ተቅዋማት ብምትሕብባር "ካብ ድኻታት ጀሚርካ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምግልጋል ዘይንጸል ዕቤት ደቅሰብን ክንክን ኣከባቢን" ከም ዝህሉ ዝገብር ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
"ጥዑይ ዓለማውነት" ምድንፋዕ
እዚ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን በርገሳዊ ኣቅላሲያውን ማሕበረሰብ ዝግበር ሃናጽን ኣኽብሮት ዝመልኦን ምትሕግጋዝ "ንጥቕሚ ዅሉ ማሕበረሰብ" ከም ምዃኑ ሓደ ኣብነት ናይቲ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ፖለቲካ ብስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ግብረ-ገባውን ስርዓታት ከም ዝፍለጥ እናገበረ ንሃይማኖትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ዝሰርዕ "ጥዑይ ዓለማውንት" ክብሉ ዝጸውዖ ኩነት ምዃኑ ውን ገለጹ።
ንስብከት ወንጌልን ሓባራዊ ተብሓን ዝተሓደሰ ተጸምዶ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝርርቡ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ነቶም ኣብ ኮርሲካ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ነቲ ሱር ዝሰደደ ሃይማኖታዊ ልምድታቱን ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ሲቪልን ፖለቲካውን ትካላትዝግበር ዝነበረ ዝርርብን ብቐጻሊ ከማዕብሉ ኣተባብዕዎም።
ንመንእሰያት ኮርሲካውያን "ብጽኑዕ ኣተሓሳስባን ሓባራዊ ጥቕምን ተደሪኾም ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ህይወት ብዝያዳ ንጡፋት ክዀኑ" ኣተባብዖም ንፓስተራትን ፖለቲካውያን መራሕትን ቤተ-ክርስትያን ከኣ ድሌቶምን ትምኒቶምን ኣብ ግምት ብምእታው "ምስ ህዝቢ ጥብቂ ርክብ" ክምስርቱ ጻውዒት ኣቕረበሎም። "እቲ ምስ ታሪኽን ባህልን እውን ከይተረፈ ኸምዚ ዓይነት ጥብቂ ርክብ ዘይብሉ ቐሺ 'ሞንሲዮር ላቤ' ጥራይ እዩ ፓስተር እውን ኣይኰነን" በለ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ እቲ ብዛዕባ ህቡብ ሃይማኖት ዚገልጽ ኮንግረስ ነቲ ኣብ እምነትን ኣገልግሎትን እተመስረተ ወንጌልን ሓባራዊ ጥቕምን ከም ብሓድሽ ንኺፍጽሞ ተስፋ ኸም ዝገበረ ገለጹ ።
"እዚ ብዛዕባ ሕዝባዊ መንፈሳውነት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ እዚ ሱር እምነትኩም እንደገና ንኽትፍሹን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌልን ሓባራዊ ረብሓን ዅሎም ዜጋታትን ሓድሽ ተጸምዶ ንኽትገብርን ክሕግዘኩም ተስፋ እገር።" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።