ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማዮት ንግዳያት ህቦብላ ጸሎቶም የዕርጉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ታሓሳስ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ፈረንሳውያን ነጋዶት ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግዝኣት ማዮት ፈረንሳ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ግዳያት ንዝኾኑ ጸልዮም፥ እቲ ዕለት 15 ታሕሳስ ዘጋጠመ ቺዶ ዝብል መጸውዕ እተዋህቦ ህቦብላ ንማዮተ ብብርቱዕ ከም ዝወቐዐን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘውረደን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ስግኣት ከም ዘሎ ይንገር።
ኣብ ፈረንሳ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሓላፊ ማርክ ቡልቶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ኣብታ ደሴት ዘሎ ኩነታት “ብሓቂ ኣቡቀለምሲስ” እንክብል ከም ዝገለጾን፥ ኣስታት 300 ሽሕ ህዝቢ ዘለዋ ማዮት፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝደኸየት ግዝኣት ኮይና፡ ኣስታት ሲሶ ካብ ነበርታ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነበር ክኸውን እንከሎ መብዛሕቲኦም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞም የመላኽት።
ቅዱስነቶም እቲ ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ምኽንያት “ህይወቶም ዝሰኣኑ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ፡ ንዝተጸገሙ ዘድሊ ሓገዝ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ድማ ምጽንናዕን ካብ እግዚኣብሔር” እምሕጸን አክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ዩክሬንን ሚያንማርን ይዝክሩ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቅዱስነቶምንነጋድያን ኢጣሊያ ሰላምታ ምስ ኣቕረቡ፥ ኣብተን ኩናት ዝካየደለ ዞባታት ሰላም ክህሉ ጸልዮም፥ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ድማ ተላብዮም፥ “ብኲናት ዝሳቐዩ ህዝቢ: ፍልስጤም: እስራኤል: ከምኡውን ኩሎም ኣብ ዩክሬን: ሚያንማር ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣይንረስዕ” ቢሎም፥
“ንመስፍን ሰላም ዝኾነ ጎይታ ጸጋ ሰላሙ ክህበና ንለምኖ፡ . . . ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት ምዃኑ ኣይንረሰዕ ኣይንረስዕ!”
ምስ በሉ፥ ንፖላንዳውያን ነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ “ኣብ ዋዜማ ልደት - “ኦፕሌትክ - ህብስቲ ልደት ክትቖርሱ ኢኹም። እዚ ናይ ምጽዋት፡ ሰላምን ይቕሬታን ምልክት እዚ ንኹሎም ኣብ መንገድኹም ንእትረኽቦም ሰባት መግለጺ ክፉት ልቢ ይኹን። በጃኹም ልዕሊ ኩሉ ንድኻታት፡ ኣብ በይናውነትን ንዝነብሩን፡ ግዳያት ውሕጅን ካብ ዩክሬን ዝመጹ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ምዝካር ቀጽሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።