መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም፦ 'ኵላትና ንኣምላኽ ዕዳ ኣሎና'
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ተስፋ ኣብ ኵሉ መልእኽትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመዓልቲ ሰላም ዘየቋርጽ ቅዉም ሓሳብ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ንዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ ኩነታት፣ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ እትጅምረሉ ዘላ ብዕለት 1 ጥሪ 2025 መበል 58 ዓመት መዓልቲ ሰላም ዓለም ኣብ ዝዝከረሉ ዘቅረብዎ መልእኽቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ሓቂ ኢዩ።
"በደልና ይቕረ በለልና"
ናይዛ ዓመት እዚኣ መልእኽቲ "በደልና ይቕረ በለልና ሰላምካ ውን ሃበና " ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዀይኑ፣ ኵላትና ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ብምዝካር ይቕረ ስለ ዝብለልናን ንሕና ውን ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ኽንብለሎም ንዝጽውዓና ኣምላኽ "ሰብ ዕዳ" ከም ምዃና ዘዘኻኽረና ዓሚቝ ትርጕም ናይዚ ዓመት ኢዮቤል ዘጕልሕ ኢዩ።
ብመሰረት ልምዲ ኣይሁዳውያን ዓመት ኢዮቤል ንጭቁናት ሓራ እተውጽኣሉ ፍልይቲ ዓመት ኢያ ዝነበረት፣ እዚ ፍሉይ ዓመት ጸጋ እዚ እውን ኣብዚ ግዜና "ኣብ ዓለምና ሓርነት ዝእውጅ፣ ፍትሒ ኣምላኽ ንኸነንግሥ ዘነቓቕሓና ፍጻመ ኢዩ" እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ትሕተ ቕርጺ ሓጢኣት" ክብሉ ዝጸውዕዎ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን "ስርዓታዊ" ብድሆታትን ዓንዩ ርከብ ኣሎ።
ስርዓታዊ ኢፍሓውነትን "ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ" ብድሆታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣከባቢያዊ ምብልሻው "ብናይ ሓሶት ሓበሬታ ደይመደይ ኢልካ እተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዝርርባት ምክፋል ኣብያ ከምኡ ውን ኣብ ኢንዱስትሪያዊ ውግእ ንዘዕንዎ ዘሎ ብዙሕ ሃብቲ" ጠቒሶም ኣለዉ።
ከምዚ ክብሉ ውን ጸሓፉ፦
"ነፍሲ ወከፍና በቲ እዛ ሓባራዊት ቤትና ዝዀነት ምድሪ ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ተሓተትቲ ኸም ዝዀንና ክስምዓና ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ እኳ እንተ ዀነ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሰብኣዊ ስድራቤትና ዜጥቅዕ ዘሎን ንግጭታት ዜጐሃህር ዘሎን እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ "ነንሓድሕዱ እተኣሳሰረ" ብድሆታት እዚ "ሓሓሊፉ ዚግበር ኣብ ፍቕረ ሰብኣውነት" እተመርኮሰ ዘይኰነስ "ማእሰር ምጕዳል ፍትሒ ንምፍራስን ፍትሒ ኣምላኽ ንምእዋጅን፣ ባህላውን መዋቕራውን ለውጥታት" ዝሓትት እዩ ።
ባህርያዊ ሃብቲ ምድሪ ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝሃቦም ውህበት እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ ጠቒሶም እንከስተንትኑ ኵሉ እቲ ከም ናትና መጠን እንዛረሉ ነገራት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ከም ምኹኑ፣ ባህርያዊ ሃብቲ ምድሪ ንጥቕሚ ዅሎም ደቅሰብ ደኣ እምበር ንሒደትን ንገለ ፍሉይትን ሰባት ጥራይ መሰል ከም ዘይኰነ ኣዘኻኸሩ።
ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብምርሳዕ ሰብኣዊ ርክባት በቲ "ስልጣን ቅኑዕ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ" ብዝብል ርትዓዊ ምዝመዛን ጭቈናን ከም ዝብከል ገለጹ።
እዚ ኸኣ ንንጥፈታት እቶም ብግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ምሩጻት ዝብሃሉ ዝንበሩ ሰባት ዜንጸባርቕ እዩ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመከራ ድኻታት እናዓበዩ ስለ ዝኸዱ፣ ኣብዛ ኣድማሳዊት ዝዀነት ዓለም ምጕዳል ፍትሒ ከም ዝቕስል ጌርዎ ዘሎን፣ ኣብ ቅልውላው ዕዳ እቶም ድኻታት ሃገራት እተኣስሩሉን ንደቡባዊ ዓለም ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ዓንከል ጽግዕተይናነት ከም ዝዕጸብ ኣብ ዝገበሮም ተገሊጹ ኣሎ ።
ናይ ወጸኢ ዕዳ ሃብታማት ሃገራት ዝገዝኡሉ ዘለዉ መገዲ
ብሓቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ገለ ገለ መንግስትታትን ናይ ውልቀ-ሰባት ቍጠባዊ ትካላት እተን ሃብታማት ዝዀና ሃገራት ንድሌታት መዝገብ ዕዳታተን ንምምላእ ጥራይ ንሰብኣውን ባህርያውን ሃብቲ እተን ድኻታት ሃገራት ብዘይ ጥንቃቐን ብዘይ ኣፈላላይን ዝምዝምዛሉ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ መግዛእቲ ዀይኑ ኣሎ" ብምባል ኣስመሩሉ።
ኣብ ርእሲ እዚውን "ብዓለምለኻዊ ዕዳ ጾር እተሰከሙ እተፈላለዩ ህዝብታት፣ ነቲ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ዝስዕባኦ ዘለዋ 'ሥነ ኣከባቢያዊ ዕዳ' ጾር ንኽጾሩ ይግድዶም ውን ኣሎ።"
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እዚ ዓመተ ኢዮቤል እዚ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሜናዊ ንፍቀ ክብን ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምን ዘሎ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕዳ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ናይ ወጻኢ ዕዳ ይቕረ ንምባል ክዓዪ ምሕጽንታኦም ኣመሓላለፉ ። "እዚ ሓድነት ንምህናጽ ዝቐረበ ምሕጽንታ ውን ኢዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ግን ፍትሒ ንምርካብ ኣገዳሲ ኢዩ" ብምባል የጕልሑ።
ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ድማ ጸሓፉ፦
"ኵላትና ኣወዳትን ኣዋልድን ናይቲ ሓደ ኣቦ ብምዃንና ኵላትና ሰብ ዕዳኡ ከም ምዃና፣ ሓባራዊ ሓላፍነት ብምስካም ንሓድሕድና ብመንፈስ ምክፍልን ዝተፈላለየ ሓላፍነታትናን ነንሓድሕድና ኸም እንደልን ምስ ፈለጥና፣ እቲ ዘድሊ ባህላውን መዋቕራውን ለውጢ ክመጽእ ይከኣል ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እዚ “ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ” ዝኸብረሉ መገዲ ብምዃኑ "ንሕና ውን ዕዳኦም ዝተሓድገሎም ሰብ ዕዳ ኢና" ብምባል ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞም ዘሎና ሰለስተ ሓሳብት ኣቕረቡ።
ንምሕረት ዕዳ ዘቕርብዎ ምሕጽንታ
ቀዳማይ ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ይሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል 200 ዝቐረበ ምሕጽንታ ብምሕዳስ እተን ብሃብቲ ዝበልጸጋ ሃገራት ሥነ ኣከባቢያ ዕዳ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ወጻኢ ዕዳ ሃገራት ብፍላይ ድማ “ናይተን ብዝኾነ ምኽንያት ዘለወን ዕዳ ክኸፍላ ዘይክእላ” ብብርሃን ሥነ ኣከባቢያዊ ዕዳ ተመሪሖም ክውንነታዊ ምጉዳል ወይ ምሉእ ምሕረት ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።
እዚ ድማ ብመንገዲ "ሓድሽ ቍጠባዊ መቃን" ክግበር ከም ዘለዎ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ዘሎ ሓድነትን ስኒትን እተመስረተ ዓለምለኻዊ ወዕል ቍጠባ ናብ ምምስራት ዘምርሕ ኢዩ።
ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክስረዝ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ
ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንህይወት ወድሰብ ካብ ጽንሲ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት ንምኽባር ጽኑዕ ቈራጽነት" ክግበረሎም ሓተቱ፣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኽስረዝን ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣኽቢሩ ዝርኢ ባህሊ ህይወት ክንድፍዕን ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ወጻኢታት ኣጽዋር ክጐድልን ንምዕባለ ዚኸውን ዝያዳ ክውስኽን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣሰር ቅዱስ ፖል ሻድሻይን ከምኡውን በነዲክት መበል 16 ብምስዓብ ጥሜት ንምጥፋእን ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስን ንምሕጋዝን "እንተ ወሓደ እተወሰነ ሚእታዊት ቍጠባ" ናብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ክቕየር ኸም ዘለዎ ምሕጽንታ ኣቕረቡ።
"ተስፋ ብልግሲ ኢዩ ዝይውሕዝ፣ ካብ ሰብኣዊ ቀመር ውን ናጻ ኢዩ፣ ስዉር ሕቶታት ኣይሓትትን ኢዩ፣ ረብሓ ኣየተሓሳስቦን ኢዩ፣ የግዳስ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ዘተኰረ ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ዝወደቑ ምትንሳእ፣ንስቡራት ልቢ ምሕዋይ ከምኡውን ካብ ኵሉ ዓይነት ባርነት ሓራ ምውጻእ ኢዩ ። "
ኣልባብ ምምራኽ
እቲ ቐንዲ ሸቶ ናይዚ እማማት እዚ ኣብ ዓለም ሓቀይናን ነባርን ሰላም ንምርካብ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ዓሚቝ ለውጢ ልባብን ሕብረተሰባትን ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣምላኽ ነቶም ካብ ስስዐ ጽልኢ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ካብ ምጭነቑ "ኣጽዋሮም ዘራገፉ" ኣልባብ ብምሃብ ነታ ዝሓሸት ዓለም ብልግሲ ይቕረ ምባል ከምኡ ውን ተስፋ ብምግባር "ነቲ ብኣጽዋር ኣልባብ ኣምላኽ እተዋህበ ናይ ሓቂ ሰላም ንድለዮ" በሉ።
ሕያውነትን ሓድነትን ንምርኣይ ዝግበር ተራ ተግባራት ነዛ ሓዳስ ዓለም መገዲ ክጸርግ ከም ዝኽእል ውን ገለጹ፣ እዚ ድማ ዓሚቝ ናይ ሕውነትን ሓባራዊ ደቅሰብን ስምዒት ከም ዘሕድር ዝገብር ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልእኾም ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጸሎት ኣቕረቡ፦
ኦ ጐይታይ! ንበደላትና ይቕረ በለልና፣
ንሕና ውን ነቶም ዚብድሉና ይቕረ ከም ዝበልናሎም።
ኣብዚ ዓንኬል ይቕረታ እዚ ድማ ሰላምካ ሃበና፣
ነቲ ንስኻ በይንኻ ኽትህቦ እትኽእል ሰላም፣
ነቲ ነቶም ካብ ልቦም ዕጥቆም ዘራገፉ ሰብት እትህቦ ሰላም፣
ነቲ ነቶም ኣብ ተስፋ ምሕረት ዕዳ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኪሓድጉ ንዝመርጹ እትህቦም ሰላም፣
ነቲ ነቶም ዕዳኦም ንባኻ ክእመኑ ዘይፈርሁ እትህቦም ሰላም፣
ነቲ ንኣውያት ድኻታት ኣእዛኖም ዘይዓጽዉ ሰባት እትህቦም ሰላም ሃበና። ኣሜን!