ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ቅድስቲ ሉቺያ ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ሰናይ ባህሪ ርህራሄ ትምህረና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሲቺሊያ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት ሲራኩዛ ንቅድስቲ ሓላዊት እታ ከተማ ዝተወፈየ ዕለት 13 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓላ ኣብ ዝተባዕለሉ ዕለት ዝጀመረ ነዛ ቅድስቲ ዝውፈይ ፍሉይ ዓመት ከም ዝኸፈተን እዛ ቅድስቲ እዚኣ ኣብ 304 ዓ.ም. ዝተወልደት ሰማዕት እምነት ንዘመናት ውዕዉዕ ህዝባዊ ውፉይነት ኣብነት ዝኾነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 13 ህዝቢ ሲራኩስ ነዛ ሓላዊት ቅድስቲ ዞባኦም ከም ዘብዕሉን እዛ ሓላዊት ብርሃን የዕንቲ ተባሂላ እትግለጽ ዝተወፈየ ፍልዩ ዓመተ ንምብዓል ርእሰ ሰበኻታት ሲራኩዛ ዝኣወጆ ዓመት ናብቲ ቅዱስ ዓጽም እዛ ቅድስቲ ናብ ዝዓረፈሉ መካነ ንድገት ካብ መላእ ሲቺሊያን ወጻእን መንፈሳውያን ነጋድያ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምኽንያት ብምግባር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሲራኩዛ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎማንቶን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣምላኽ ብርሃን የምጽእ
“እቲ ምስ ቅድስቲ ሉቺያ ዘጣምር ፍቕሪ ናብ ሓደ ጥንታዊ ክርስትያናዊ እምንቶ ዘሰንይ እዩ፡ ‘እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፡ ኣብኡ ድማ ጸልማት የሎን” ስለዚ ድማ ምእመናን ሲራኩዛ ነዚ ከስተንትኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣተባቢዖም፥ ናይ ድሕነት ቃላት ከም ቡሶል ተጠቒሞም ስድራቤታዊ፣ ቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ዘሎ ምትእስሳር ንምሕዳስ ኣብዚ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. “ነጋዲያ ተስፋ” ክኾኑ ሓደራ ቢሎም፥ ናይ ቅድስቲ ሉቺያ ቅዱሳት ትሩፋት ዘምረሐ ኻብ ቨነዚያ ናብ ሲራኩሳ ዝግበር ንግደት "ምስጢር ሓደ ወትሩ ቐዳማይ ስጕምቲ ዚወስድን ንሱ ባዕሉ ኺገብሮ ዘይደሊ ነገር ፈጺሙ ዘይሓትተን ኣምላኽ" ክንርኢ የኽእለና . . . ምእመናን ምፍልላይ ዝኣልይ ንጡፍ ድልድል ሕያውነት ኣብ ምጽናዕ ነቲ ናባና ዝመጽንእ ዝቐርብን ኣምላኽ ዝሕብር ቀዳማይ ስጉምቲ ዝጅምሩ ንምዃን ነዚ መለኮታዊ ኣብነት እዚ ኺመስልዎ” ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ቬነዚያን ሲራኩዛን ግዚያዊ ምትሕልላፍ ቅርስታት ቅድስቲ ሉቺያ ከም ዝከኣል ዝገበር መንፈስ ሕብረት “ህያባት ዝለዋወጠሉ ብርሃን ከም ዘሎ” ዝምስክር ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ኣንጻር እዚ ሎሚ ዝሰፍሐ “ሕውነት ዘጥፍእን ፍጥረትን ዘዕኑን ሓሶት እዩ . . .” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቅድስት ሉቺያ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣበርክቶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስክር እያ
እቲ ናይ ቅድስቲ ሉቺያ ምስክርነት መመሊሱ ነቲ ካብ መጀመርታ ክርስትና ኣብ ኩሉ ዘመናት ደቂ ኣንስትዮ ብብልሓተንን ብፍቕረንን ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ዝተጻወታሉ ዘመናት ርኡይ ዝነበረ ፍሉይ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘርኢ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥
“ንባህልን ሕብረተሰብን ማይ ብሑቝን ብርሃንን ዝኾነት ንደገ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ዕዮን (ኣገልግሎትን) ድምጽን ደቂ ኣንስትዮ የድልያ” እዚ ኣበርክቶ እዚ ኣብ ልቢ ብዘሕዝን መንገዲ ንስደተይናታት ዘጋጥሞም “በደላትን ዘይምዕሩይነትን” ዘስዕቦ መዓት ዘጉልሕ ማእከል ዝኾነ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዓንዲ ስልጣነን ሰብኣውነትን ዝያዳ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮም፥
ክርስትያን "ፖለቲካዊ" ግሩም ባህርያት ርህራሄን ለውሃትን
"ሰማዕትነት ቅድስቲ ሉቺያ ክንበኪ፡ ቡቕባቐን ርህራሄን ክንሓቁፍን ይምህረና . . . እዚ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት “ዓሚቝ ፖለቲካዊ ክብርን እውን ዝኾነ” . . . ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ካብ ሓልዮት ዘይብሉ ምሾት ንላዕሊ ህይወትን ብርሃንን ንኽንመርጽ ዘተባብዕ እዩ . . . ኣብ ዙርያ ሓደ ቅዱስ ምእካብ፡ ከም ብዙሓት ሰባት ኣብ ሲራኩዛ ኣብ ዙርያ ቅድስቲ ሉቺያ ከም ዝገብርዎ ህይወትን ብርሃን ምምራጽን ማለት እዩ። ምስ ካልኦት ኣብ ዘለና ርክብ ንጹርን ቅንዕናን ክፉትን ምዃን ማለት'ዩ፡ ንነብስና ካብ ላንጋላንጋን ምስ ክፍኣት ካብ ምዝማድ ሓራ ምውጻእ ማለት'ዩ" ከም ዝበሉ የመላኽት።
ንልቢ ንምስማዕ ምምሃር
ነቶም ዝተሓላለኸ ነገራት ክንገጥም ዘነቓቕሑና ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብምምሳል ንርእስና ብፍላይ ድማ ነቶም መንእሰያት ወለዶ “ልቢ ክንሰምዕ፣ መሰኻኽር ከነለሊ፣ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል፣ ንሕልና ክንእዘዝ” ከምዘድሊ የጉልሑ ነቲ እተሓላለኸ ዅነታት ደቅሰብ ብትብዓት ንኽንዋጽኣሉ ከምኡውን ነቲ "ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይክቕየርን ኢዩ" ዝብል ሓሳብ ንኸይንቕበል ዘነቓቕሑና ኢዮም . . .
እቶም ድኻታት ስደተይናታት፡ ዝሳቐዩ ስደተኛታት ዘክር
ቢሎም ቅዱስነቶም ንማሕበረሰብ ሲራኩዛ ነቶም ዝሳቐዩ፡ ማለት ስደተይናታት፡ ተመዛበልትን ድኻታትን ፡ ኣብ በዓላቶም ክጽምብርዎም ተላብዮም ህዝቢ ዚራኩዛ ንቅድስት ሉቺያን ቅድስተ ማርያም መጸናንዒት ሕዙናት ሓደራ ቢሎም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።