ር.ሊ.ጳ. ማርያም ንናይ ሕቡራት ኣእዳው ተልእኾ ኣብነት እያ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ማሕበር ማኖስ ዩኒዳስ (“ሕቡራት ኣእዳው”) ብምኽንያት መበል 65 ዓመት ቅዋመ እቲ ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐብሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቲ ኣብ ዘይማዕበላን ኣብ ምምዕዕባል ዝርከባን ሃገራት ምዕባለ ንምድንፋዕ ዘካይዶ ዕዮ ዝምጥን ተሃዋሰንትን ጽንዓትን “ተንስታይ ብልሒ” ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቲ “ካቶሊካዊ ማሕበር ኣንጻር ጥምየት ዝካይዶ እቲ ኣብ 1959 ዓ.ም. ብናይ መግብን ሕርሻው ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጻውዒት መሰረት፡ ኣብ ስጳይና ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ "ነቲ መብዛሕትኡ ኽፋል ደቅሰብ ዝሳቐዩሉ ስነት ዕለታዊ እንጌራን ባህልን ኣምላኽን" ንምዕጋብ ዝተወልደ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኸት - ቅድስቲ ድንግል ማርያም
ብዛዕባ ዕዮ እቲ ማሕበር ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ነዚ ዕዮ ዝፍጽመሉ "ምስትውዓልን ጽንዓትን ደቂ ኣንስትዮ" ክሓስቡእንከለዉ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እናሓሰቡ፥ . . . ማርያም "ኵላትና ብጸጋ ኣምላኽ ኣቢልና ንዓለም ከነመሓይሻ እንኽእለሉ ምሉእ ብምሉእ እተጋህደ ኣርኣያ ደቅሰብ ኢያ" ቢሎም ኣገልግሎት እቲ ማሕበር በቲ እተን ነዚ ጕጅለ እዚ ዘቝማ ኣዴታትን ደቂ ኣስንትዮን ብዘለወን "ባህርያዊ ልቦናን ክውንነትን" ዝፍጸም ምዃኑ የስተብሂሎም፥
ክርስትያናዊ ራእይ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት
እቲ ማሕበር ምስ ጥሜትን ትሑት ዕቤትን ጕድለት ትምህርትን ንምቅላስ ዘለዎ ፍሉይ ተልእኾ "በቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መንፈስ ዝልለ ሓልዮትን ርህራሀን ጽንዓትን" ዝሳለጥ ምዃኑ ገሊጾም፥ "ኣብ ወንጌልን ሰረተ - ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያንን ዝተመርኮሰ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ናብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘመሓላልፍ እውን ምዃኑ ኣስብሂሎም፥ እቲ ማሕበር "ብወለንታ ናይ ምግልጋልን ናይ ምድጋፍን ባህ ዘብል ተልእኾኡ" ክቕጽል ብምትብባዕ፥ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምስዓብ “ሰብኣውን ስነ ምግባራውን ንመንፈሳዊ ዕቤት ናይቶም ተነቀፍትን ስኡናትን" ኣበርክቶ ብምግባር "ናይ ተስፋ ነጋዲ’ ክኸውን ተላብዮም፥
ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ምህናጽ
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን ዘመነ ምጽኣት ነተን ናይቲ ማሕበር ኣባላት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም፥ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር መብጽዓታት ናይ ምጽባይ ወቕቲ “ኩላትና ኣብ መንፈሳዊ ሕዳሴ ንኽንበጽሕ ይድግፈና” እንክብሉ ነቲ ብሃንቀውታ ትጽቢት ዝግበረሉ ስልጣነ ፍቕሪ ኣብ ምህናጽ ግደና ነበርክት” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።