ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ‘ዓለም ብኲናት ትሳቐ ኣላ’ ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ‘ዓለም ብኲናት ትሳቐ ኣላ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ‘ዓለም ብኲናት ትሳቐ ኣላ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓሰርተ ሓደ ሓደስቲ ተፈላጥነት ዘለዎም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘቕረብዎ ናይ ስሜት መልእኽቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብታ ብኲናት እትሳቐ ዘላ ዓለምና ዘርኢ ተስፋ ንምዝራእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ምዕባይ ክቕጽሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዓሰርተ ሓደ ንሳቶድም ድማ ናይ ህንዲ፣ ዮርዳኖስ፣ ዴንማርክ፣ ሉክሰምበርግ፣ ሳኦ ቶሜን ፕሪንሲፐን፣ ሩዋንዳ፣ ቱርክመኒስታን፣ ኣልጀርያ፣ ባንግላድሽ፣ ዚምባብዌን ኬንያን ሓደሽቲ ልኡካነ መግንስታት ንኽኾኑ ካብ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ሃገሮም ዝተላእኩ ዘቕረብዎ ናይ መረጋገጺ መልእኽቲ ዕለት 7 ታሕሳስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ከባቢ ዓቢ ማሕታ ዘለዎ ብፍላይ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራትን ድኻታት ኣባላት ሕብረተሰብን ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ዝኣመሰሉ ተኣፋፊ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥማሉ ዘሎ እዋን፡ ተልእኾኦም ኣብ ኣህጉራዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብፍላይ ኣብ ወሳኒ እዋን ዝጅምር ምዃኑ ኣገንዚቦም፡ ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ጸገም ስደትን ምዝብልናን ዝብሉ ጠቒሶም፥

ትዕግስቲ ዝመልኦ ስራሕ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ

እዞም ጉዳያት እዚኦም፡ "ቀሊል ፍታሕ የብሎምን፡ ብተግባራት ሓደ ህዝቢ ወይ ንእሽቶ ጉጅለ ሃገራት'ውን ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ . . . ብናይ ኩሎም ኣህዛብ ዝተዋደደ ጻዕሪ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ፡ እዚ ድማ "ትዕግስቲ ዝመልኦ ስራሕ ክሌኣዊ ስነ መላዊ" ዝሓትት እዩ . . .

"ዓለምና በቲ ንብምሉኦም ደቂ ሰብ ዚትንክፍን ኵሎም እቶም ብዛዕባ መጻኢ መሬት ዚግደሱ ብሓባር ስጕምቲ ኺወስዱ ዜድልዮምን ጸገማት እናተሳቐየት እያ እትኸይድ ዘላ"

ቅድስቲ መንበር "እወንታዊ ገለልተይናነት" ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ

ቢሎም በዚ መንጽር’ዚ ቅድስቲ መንበር ዘተ፣ ዕርቂ፣ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ፣ ምኽባር ክብርን መሰላትን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ህዝብን ንምዕባይ "እወንታዊ ገለልተይናነት"፡ ውሽጣዊ ስነ - ምግባራዊ መዳያቱ ብንጹር ብምግላጽ ቀጻሊ ተወፋይነትን ብተግባር ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት ኣበርክቶ ንምግባር እተካይዶ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ጻዕርን ኣዘኻኺሮም። . . .

ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበረ - ሰብ ዓለም ብዘለዋ ህላወ፡ ብመሰረት ፍሉይ ባህርያታን ተልእኾኣን፡ ብዘይ ፖለቲካዊ፡ ንግዳዊ፡ ወይ ወተሃደራዊ ዕላማታት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ከተስፍሕ ትጽዕር።”

“ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰናይ ድሌትን ግብረ ገባዊ እምንቶን ዝተደፋፍአ ህዱእ፣ ትዕግስትን ቀጻልን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ጻዕርታት” ዋላ “ዘይፍታሕ ዝመስል ኩነታት” ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ታሪኽ ከምዝምስክሮ ኣዘኻኺሮም “ብሓቂ፡ ብዙሓት እዋናዊ ዓለማዊ ጸገማት ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሑ እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዘቑርጽ ሓድሽን መሃዛውን መፍትሒታት ክንደሊ ክድርኸና ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብታ ብኲናት ዝደኸመት ዓለምና ዘርኢ ተስፋ ንዝራእ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ሕመረት ተስፋ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ማሕበረሰብ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም፥ ናይ ምሕዝነት፣ ምትሕብባርን ዘተን ምትእስሳር ኣብ ምድንፋዕ ብትብዓትን ብመሃዝነትን ክቕጽል ኣተባቢዖም . "መብዛሕትኡ ግዜ ስቕ ዝበለን ሕቡእን ስራሕኩም፡ ኣብታ ብኲናት ዝደኸመት ዓለምና ዘርኢ መጻኢ ተስፋ ንምትካል ክሕግዝ እዩ፥ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ክኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ‘ዓለም ብኲናት ትሳቐ ኣላ’
07 December 2024, 17:29