ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኵርያ ሮማና፡ 'ንሓድሕድኩም ሕማቅ ኣይተዘራረቡ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝገበርዎ ኣብ መዛዘሚ ዓመትን ከምኡ እውን ብምኽንያት በዓለ ልደትን ሰላምታ ንምልውዋጥ ምስ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሃዋርያውያን ኣካላት ዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ቓዛ ዝቕተሉ ህጻናትን ገና እውን ይቕጽል ምህላዉ ብምዝካር ነዚ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ቅትለት ከም ዝኾነኑን። ከምኡ’ውን ስኒት ዘለዎ ናይ ስራሕ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ትሕትና ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሓደ ዓቕለስያዊ ማሕበረሰብ፡ ኣባላቱ ኣብ መንገዲ ትሕትና ዝመላለሱ፡ ንሓድሕዶም ሕማቕ ዘይተሓሳሰብሉ በለካን ለኻዓካን ዘይብሉ ብሓጎስ ሕውነታዊ ስኒት ዝነብር ክኸውን ኣለዎ” . . . ሕሜታ ንልቢ ይምርዝን ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ኣይመርሕን” ኣሉታዊ ወረታትን ሕሜታን ካብ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ብምዝኽካር፥ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምዕ. 12, 14፥ “መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ” (ረሜ 12,14) ዝበሎ ቃላት ዘኪሮም ኣብዘን ቃላት እዚኣተን ኣማእኪሎም፥ ንኣባላት ኩርያ ሮማና ካብ ክፉእ ምዝራብ ክቑጠቡን ኣብ ክንድኡ ድማ ስኒትን ሓጎስን ዝመልኦ ናይ ስራሕ ማሕበረሰብ ከዕብዩ ኣተባቢዖም።

“ሕሜታ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ይሃስዮ፡ ንልቢ ይመርዝ፡ ናብ ዝኾነ ቦታ ድማ ኣይመርሕን እዩ። ከምቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝብልዎ: ሕሜታ ናብ ከንቱነት እዩ ዝመርሕ”

ኣብ ቓዛ ተወሰኽቲ ህጻናት ይቕተሉ ኣለዉ፡ እዚ "ጭካነ'ዩ!”

ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ኣስተንትኖኦም ቅድሚ ምጅማሮም  ሓሳባቶም ዳግማይ ናብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ኲናት ኣቕኒዖም፣ ዕለት 20 ታሓሳስ እስራኤል ኣብ ጃባልያ ኣልናዝል ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 7 ካብ ሓንቲ ስድራቤት ዝርከብዎም ብውሕዱ 25 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን እስራኤል ነቲ ድሮ ዝዓነወ መሬት ምድብዳብ ትቕጽል ከም ዘላን፥ ነዚ እናሓሰቡ “እዚ ውግእ ኣይኮነን፡ እዚ ጭካነ እዩ” ቢሎም፥ እዚ ዘብለኒ ዘሎ ድማ ልበይ ስለ ዝተንከፈ እዩ . . . ውግእ ይኣክል!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ምስ ክርስትያናዊ ሕይወትን ማሕበረሰብን  ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህሪ ትሕትና፥ ምስ ምስጢር ስጋዌ ኣተሓሒዞም፥ "ጽቡቕ ምዝራብን ሕማቕ ዘይምዝራብን መግለጺ ትሕትና'ዩ፡ ትሕትና ድማ መለለዪ ስጋዌን ብፍላይ ድማ እቲ ከነብዕሎ እንቀራረበሉ ዘሎና ምስጢር ልደት ጎይታ እዩ" ብምባል፥

መንገዲ ትሕትና፡ ርእሰ - ምንቃፍ

ትሕትና ንምዅስኳስ ከም መገዲ፡ ካብ ትምህርቲ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያን መንፈሳውያን መምህራን ከም በዓል ዶሮቴዎስ ብዓል ቓዛ ጠቒሶም፡ ርእሰ - ምንቃፍ ዝብል ዓሚቝ ልምዲ፥ ጥበብ ዶሮቴዎስ ንርእስኻ ምፍታሽን ብዛዕባ ካልኦት ዝነበረ ኣሉታዊ ሓሳባት ናብ እወንታዊ ሓሳባት ምቕያርን ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ ከም ዝነበረን ርእሰ - ምምርማርን ምንቃፍን ምምዕባል . . .  “ቀስ ብቐስ ካብ ጥርጣረን ዘይምትእምማንን ሓራ የውጽእ።”

“ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ሰብ ጉድለት ክርኢ እንከሎ ምስ ሰለስተ ሰባት ጥራይ እዩ ክዛረብ ዝኽእል: ምስ ኣምላኽ ምስቲ ዝምልከቶ ሰብ ክዛረብ እንተዘይክኢሉ ድማ ምስቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ነቲ ጉዳይ ክከናኸኖ ዝኽእል። ካብዚ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ የለን።”

ርእሰ - ምንቃፍ ዝብል ልምዲ፡ ነቲ "ትሕትና" (synkatabasis) ኣምላኽ ኣብ ምስጢረ ስጋዌ ዘንጸባረቖ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ እቲ ልዑል ከም ዘርኢ ኣድሪ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማሕጸን ኣደ ዘሎ ዘርኢ ሰብኣይ፥ "ነቲ ዘይጻወር ጾር ሓጢኣት ዓለም ኣብ ርእሱ ክስከሞ" እዩ ዚመርጽ።

ኣብዚ ክውንነት እዚ፡ ኣብነት ዝኾነት ድንግል ማርያም፥ ብፍቓዳ ብትሕትና ኣብ መደብ እግዚኣብሔር ተሳቲፋ፡ ነዚ ስነ - መለኮታዊ ጽቡቕ ባህርይ እዚ ተምሳል ኮነት : “ንርእሳ ክትነቅፍ ምኽንያት ኣይነበራን፡ ግን ብናጽነት ኣብ ናይ ኣምላኽ መደብ ምሉእ ብምሉእ ክትተሓባበር ትሕትና መሪጻ፡ ኣብ ትሕትና ወልድን ኣብ ምጽኣት መንፈስ ቅዱስን” . . .

ገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን እውን ንባርኽ

ቅዱስነቶም ምስጢረ ስጋዌ ቃል እግዚኣብሔር፥ ክፈርደና ዘይኮነስ ክባርኸና ዝመጸ ምዃኑ ብምዝካር “ልክዕ ንሕና ስለ ዝተባረኽና ድማ ንኻልኦት ክንባርኽ ንኽእል . . . እዚ በረኸት እዚ ካብ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምጥሓል ዝውሕዝ ኮይኑ፡ ብናይ ርክብ ህሞታት፡ ዕርክነት፡ ብመንፈስ ግሉጽነትን ልግስን” ዝውሕዝ፡ እዚ እውን ነቲ ብኻልእ መገዲ ትረት ክኸቦ ዝኽእል ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ክንሕድሶን ሓድሽ ህይወት ክንህቦን ክሕግዘና ይኽእል።

“ልብና በቲ ቀዳማይ በረኸት እንተተሓቚፉ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ዋላ ነቶም ዘይንሓልየሎም ወይ ነቶም ሕማቕ ዝገበሩና ክንባርኾም ንኽእል ኢና።”

ስነ ጥበባውያን በረኸት

ከም ዝበሉን ኣስዕብ ኣቢሎም ኣባላት ቤተ - ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን "ሰብኣዊ ፍጥረት በረኸት ኣምላኽ ክረክብ መታን ምልክትን መጋበርያን" ኵላትና ንቤተ-ክርስትያን ከም ሓደ ንዓለም በረኸት ኣምላኽ ንምምጻእ ናብ እተፈላለየ ወሓይዝ ዝፈስስ ሰፊሕ ሩባ ገይርካ ብምሕሳብ የድሊ፥ "ኣንጠረይናታት በረኸት" ክንከውን ኢና ዝተጸዋዕና። ኵርያ ሮማና ነዚ ተልእኾ እዚ ኣበርክቶ ዝገብር "ቤተ - ምርምር" እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ "ኵርያ ሮማና እተፈላለየ ዕዮ ዝፍጸመሉ  ግን ከኣ ኵሉ ሰብ ብሓደ ዕላማ ዝዓየሉ ማለት ንኻልኦት ንምብራኽን በረኸት ኣምላኽን ኣደነት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓለም ንምዝርጋሕን ከም ዓብዪ ቤተ - ምርምር ኮይኑ ክርኣ እምነ . . .።

ሕቡእን (ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብል) ትሑትን ስራሕ

ብፍላይ ነቲ እቶም ደብዳበታት ዘዳልዉን ንእተሸገሩ ሰባት በረኸት ዘመሓላልፉን ሰራሕተይናታት ቤት ጽሕፈት ዚፍጽምዎ "ሕቡዕ (ብዙን ዘይረኣይን ዘይንገረሉን ግን ኣዚዩ ኣገዳስን ዝኾነ) ዕዮ ንኢዶም፡ እቲ ብትሕትና ዚፍጽምዎ ዕዮ፥ "በረኸት ንምዝርጋሕ ዚሕግዝ መገዲ" ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ "ብኢየሱስ ስጋና ለቢሱ ሰብኣውነትና ክካፈልን በረኸቱ ኺህበናን ዚደለየ ናይ ኣምላኽ መገዲ እዩ" ምስ በሉ፥ ንኣባላት ኵርያ ሮማና ትሕትና ክሓቝፉን ከምኡውን ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ካም ምዝራብ ተቖጢቦም ኣብ ዓለም ከም ናይ ሓቂ "ኣንጠረይናታት በረኸት" ኰይኖም ክነብሩ ኣተባብዕዎም - "በረኸት ክንጽሕፍን ብዛዕባ ሓውና ወይ ሓብትና ሕማቕ ክንዛረብን ኣይንኽእልን ኢና" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2024, 16:30