ድለ

2024.09.11 Viaggio Apostolico in Timor-Leste - Incontro con i giovani nel Centro de Convencoes de Dili 2024.09.11 Viaggio Apostolico in Timor-Leste - Incontro con i giovani nel Centro de Convencoes de Dili  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንተመሃሮ፦ ነፍሲ ወከፍኩም ንዓለም ክትልውጥዋ ትኽእሉ ኢኹም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝርከቡ መንእሰያት መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ "ናብ ዓለም ሓድሽ ነገር የምጽኡ" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኢጣልያ ማሕበር ክርስትያን ሰራሕተይናታት ጨንፈር ሮማ ንተመሃሮ ምስ ናይ ስራሕ ዓለም ንምልላይ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 17 ታሕሳስ ሓደ መደብ ኣሰናደዉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም መንእሰያት ተምሃሮ ኣብ ዝመሓላለፉሎም መልእኽቲ "ዓለም ኣብ ቅድሜኹም ገዛእ ርእሰ ከፊታትልኩም ኢያ ዘላ " ክብሉ ኣተባብዕዎም ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ናብኡ ኽትመጹ ኸለኹም ጻዕቂ ዘለዎን ኣቓልቦኹም እተሰርቅን ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ኣበርክቶኹም ግን ዘድልዮ እዩ ። ንነፍሲ ወከፍኩም ናብ ዓለም ሓድሽ ነገር ከም እተምጽኡ ኽነግረኩም እደሊ ። ኵሉ ነገር ብኣኻትኩም ኺልወጥ ይኽእል እዩ" ውን በሉ።

ስራሕን ልብን

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ልቢ ኣስተንተኑ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽእዋ “ውእቱ ኣፈቀረን” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶ ዘተኰረትሉ ኢዩ ዝነብረ፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ድማ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰራሕተኛታት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ቅዱስነቶም ሕቶ ኣቕረቡ ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለስዎ ከም ንቡር ንልቢ ምስ ፍቕርን ዕርክነትን ነተሓሕዛ ኢና፣ ከም ሓቁ ግና ንልቢ ኣብ ስራሕና ውን ነሳትፋ ኢና ... ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝነግረና ውሳነ ንምግባር ልቢ ኣገዳሲ እዩ ። ስለዚ ንልብና ክንሕልዎ ኣለና!"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ናብ ስራሕ ዓለም ክትኣትዉ ኸለኹም ... በቲ ኻባኻ ዚጽበ ነገራት ክትወሓጡ ትኽእሉ ኢኹም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብሰላምን ብናጽነትን ምእንቲ ኽነትነብሩ ልብኹም ምሕላው ተማሃሩ። ኬዋርደካን ኬሸግረካን ንቕንዕናኻ ኼዳኽሞን ዝደሊ ነገራት ኢድካ ኣይትሃብ።"

ንናይ ባዕልኻ ስርዓታት ጠቢቕካ ምስዓብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለም ኣበርክቶ ንምግባር ሓደ ሰብ "ምስ ዅሉ ነገር አረ እኳ ደአ ምስቲ ክፉእ ክሰማማዕ" ከም ዘየድልዮ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምስቶም ዘይትኣምኑሎም ኣተሓሳስባታት ተሰማሚዕኩም ኣይትንበሩ ፣ ማሕበራዊ ዝና ወይ ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ከም ዘድልዮም ውን ተማሕጸኑ ። እከይ የርሕቐናን ንሕልምታትና ይሰርቀናን፣ ጽምዋ ኸም ዚሓድረናን ካብ ስራሕ ከም እንወጽእን እዩ ዚገብረና" በሉ።
ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ከኣ ነቶም ተማሃሮ "ነታ ሓባራዊ ቤትና ንምህናጽን መራኸቢ ሰብኣዊ ሓድነት ንምምሕያሽን ብሓባር ክዓዩን ድልድላት ክሃንጹን" ጻውዒት ብምቕራብ መልእኽቶም ዛዘሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ልቢ ሰብ ብኸመይ ተስፋ ከም ዝገብር ይፈልጥ እዩ " በሉ ። "ሓራ ዜውጽኣና እምበር ዘየርሕቐና ዅሉ ዕዮ ካብ ልቢ እዩ ዚጅምር" በሉ።

18 December 2024, 15:08