ድለ

2024.12.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሲቺሊያ ኣባላት ተቕዋም ቲዮሎጊያ፥ “ናይ ተስፋ ልኡካን ኩኑ!” 2024.12.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሲቺሊያ ኣባላት ተቕዋም ቲዮሎጊያ፥ “ናይ ተስፋ ልኡካን ኩኑ!”  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሲቺሊያ ኣባላት ተቕዋም ቲዮሎጊያ፥ “ናይ ተስፋ ልኡካን ኩኑ!”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ከተማ ካታኒያ ናይ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ኣብ ዞባ ሲቺሊያ ቀጻሊ ማሕበራዊ ብድሆታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ተስፋ ልኡካን ክኾኑ ዝድርኽ እዩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ህይወት ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ቅርጺ ኣብ ምቕራብ ዝግበር ሓባራዊ ጉዕዞ ቀጽሉ” ምኽንያቱ “ሲቺሊያ ንመጻኢ ብተስፋ ክጥምቱ ዝኽእሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ስለ ዘድልይዋ” ቅዱስነቶም ነዚ ሓያል ምትብባዕ ዘቕረቡ ዕለት 6 ታሕሳስ ዓርቢ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣስታት 200 ዝኾኑ መምሃራንን ሰራሕተይናታትን ተመሃሮን ኣብ ካትኒያ ናይ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ተቀቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ተቕዋም ቲዮሎጊያ ደድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ 1969 ዓ.ም. ናይ ምብራቓዊ ሲቺሊያ ሰበኻታት ንካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ምመናንን ቲዮሎጊያዊ ህንጸት ንምቕራብ ብዝብል ውሳነ ዝተመስረተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥

ብሓባር ምስራሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝህቦ ልዑል ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ምስቲ ኣካል ዝኾነሉ ናይ ፓለርሞ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ንምትሕብባር “ንኻልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓውዲ ብሓባር ክጓዓዛ ዝድርኽ ኣብነት ዝውክል እዩ . . . ብርግጽ፡ ብዛዕባ ውህደት ክንዛረብ እንኮለና ኣብ መንጎ ናይ ህንጸት ተቕዋማት ዘሎ ዝምድናታት እውን ከነሳኹዕ ይግባእ፣ እዚኦም ድማ ብቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ህያው ዝኾነ ናይ ሓድነትን ተልእኾን ቤተ - ሙከራ ይኾኑ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንሕብረተሰብ ሲቺሊያ ምግልጋል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዞባዊ ኵነታት ብምጉላሕ፡ እቲ ተቕዋም ምስ ባህላውን መንፈሳውን ቅርስታት ሲቺሊያ ዘለዎ ዓሚቝ ምትእስሳር ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፡ እዚ ድማ ከም በዓል ቅድስቲ ኣጋታን ሉቺያን ዝኣመሰሉ ሰማእታት ከምኡ’ውን ከም በዓል እቶም ብናይ ገበን ጉጅለታት ማፍያ ዝተቐትሉ ኣባ ጁሰፐ ፑሊየዚ ዳይና ሮዛርዮ ሊቫቲኖን ሰማእትነት ዝሓቁፍ እዩ . . . በዚ ምትእስሳር እዚ ኣብ ጎኒ ንሓድሕድኩምን ኣብ ምድላይ ሓድሽ መገድታት ስብከተ ወንጌልን ዘቐምጠኩም ዓቕለስያውነት ትመሃሩ" ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ተራአን ትሑት ዋጋ ክወሃቦ ከም ዝጸንሐ ብምዝኽኻር  ኣብቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ምውሳኹ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ሲቺሊያ ዝረአ ዘሎ ባህላውን ማሕበረሰባውን ለውጢ ዘንጸባርቕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሲቺሊያ ናይ ተስፋ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እምበር ኢዶም ዝህቡ ኣየድልይዋን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልምዓት እቲ ዞባ ዘተዓናቕፍ ሰፊሕ ምግባረ ብልሽውና፣ ዝተወደበ ገበን ሓዊሱ ቀጻሊ ብድሆታት እቲ ዞባ ብምጥቃስ “ሲቺሊያ ንመጻኢ ብተስፋ ክጥምቱ ዝኽእሉን ሓደስቲ ወለዶታት ኣብ ምሕብሓብ ነጻን ግሉጽን ክኾኑ ዝሓንጹ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልይዋ፥ ናይ ሓባር ረብሓ፣ ኣረጊትን ሓድሽን ድኽነት ንምጥፋእ . . . ስለዚ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ዝተገለሉን ምስ ምውህሃድ ስደተይናታት ኣብ ሕብረተሰብ ሲቺሊያ ብምስፋሕ ምስዞም ማሕበራዊ ጉዳያት ክዋሳእ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ድማ "ኩሉ ግዜ መስቀላዊ መንገዲ ናይ... ህዝብታትን ባህልታትን እዩ . . እቲ ኣብ ካታኒያ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ምስ መንበረ ጥበብ ካታኒያ ዝገብሮ ስነ ፍልጠታዊ ምትሕብባር ንኢዶም፡ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ምስ ሰፊሕ ባህላዊ ኵነታት ሲቺሊያ፡ ምስቲ ሃብታም ስነ - ጽሑፋዊ ውርሻታታ፡ ኣብ ቅድሚ ቀጻሊ ብድሆታት ተስፋን ጽንዓትን ከለዓዕል ኣተባቢዖም፡ "ምስዚ ባህሊ እዚ ብምዝታይ ተስፋን ተወፋይነትን ኣቕርቡ" እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥

“ብተስፋ ንቕድሚት ኪዱ፡ ናይ ተስፋ ልኡካን ድማ ኩኑ”

ንሓድነት ክርስትና ምስራሕ

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንምብራቕን ምዕራብን ዝጥርንፍ ቅዱስ ኒቆላዎስ ብምዝካር ነቲ ተቕዋም መበል 1.700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ግምት ብምእታው ዘቕረብዎ ጻውዒት ተቐቢሉ ነቲ "ጭቡጥ ናብ ሓድነት ክርስትና ዝወስድ መንገዲ ክስጉም ተማሕጺኖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

07 December 2024, 17:21