2024.12.09 Partecipanti al Convegno Internazionale di Teologia 2024.12.09 Partecipanti al Convegno Internazionale di Teologia  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ፡ ‘ስነ ህልዩ ንክውንነት ይቐትልን ንሰባት ይቆጻጸርን’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራንነሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ቲዮሎጊያ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣብ እምነት ዝተሰረተ መሃዛውን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣገባብ ቲዮሎጊያ ብምምዕባል ኣብዚ ሎሚ ብስነ ህልዩን ውልትውናን ዝተበላሸወ ሕብረተሰብ ዝግደስ ክኸውን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 9 - 10 ታሕሳስ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልታት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ቲዮሎጊያ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ እምነት ዝተሰረተ ኣብ መንጎ ዓውድታት መጽናዕቲ ዘተ ብምክያድ ንሕልኽላኻት ናይቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ዝፈትሕ ቀጻልን ንዅሉ ዝሓቍፍን ቲይሊጊያዊ  ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዋዕላ

“መጻኢ ቲዮሎጊያ፡ ሕድርን ኣመትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ፥ ካብ ኩለን ኣህጉራት ዝመጹ ኣስታት 500 ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ንሃይማኖት ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብኸመይ ከም ዘገድስ ንኽሓስቡ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ብፍላይ ዕላማ እቲ ዋዕላ እተፈላለየ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ተመክሮታቶምን ኣስተንትኖታቶምን ካብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዝወረስዎ ቲዮሎጊያ ብምድሃሳ ብሲኖዳዊ ኣገባብ ብምክፋል ንህልው ወለዶን ዓለምን ንምቕራብ ዝብል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቲዮሎጊያ ንዓለም የብርህን ይገልጽን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብን ናይ ቲዮሎጊያ ምሁራት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም ደጊሞም ብምዝኽካር ቲዮሎጊያ ነቲ ዘይርአን ዘይጭበጥን ንዓለም ዘብርህን ዝገልጽን ብርሃን እዩ እንክብሉ ሓቢሮም፥ “ቲዮሎጊያ ከምኡ ኢዩ፡ ብርሃን ክርስቶስን ወንጌሉን ምእንቲ ክስስን ብጽሞናን ብትሕትናን ይሰርሕ” ቢሎም፥ ስለዚ ነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ዕርክነትን ንደቅሰብ ዘለዎም ፍቕርን ተሰሪቶም ኣብ ጽባቐን መከራን እዛ ዓለም እዚኣ ኽጽመዱ ተማሕጺኖም፥

ስነ - ሓሳባዊ ምዝናቕ ንምምካት

ነቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ ኣገዳስነትን መምርሕን ግደን ቲዮሎጊያ መሰረታዊ ሕቶታት ክምርምሩ ኸለዉ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነት ሑልዳ ኣብ ካልአይቲ መጽሓፍ ነገስታት ዝጥቀስ ከምኡውን ንዅሉ ዘጠቓልል ቲዮሎጊያዊ ኣረኣእያ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  ምውህሃድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፥ "ኣንስቲ ጥራይ ዚርድኣኦ ነገራት ኣሎ ቲዮሎጊያዊ ኣበርክቶአን የድልየን እዩ " እንክብሉ ብኣጽንዖት ሓቢሮም፥ "ቲዮሎጊውያን ደቂ ተባዕትዮ ንበይኖም ዘይምሉእ ቲይሎግያውያን እያቶም እክብሉ ብምዝኽካር ኣገዳስነት ደቂ ኣስንትዮ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ከይርሳዕ ገሊጾም፥ ቀጺሎም ቲዮሎጊያ “ከመይ ጌርካ ከም እትሓስብ ዳግማይ ንምሕሳብ ዝሕግዝ ክኸውንን፥ ብፍላይ ከኣ "ክንየው ምዝናቕ ከብልን" ነቲ ሕልኽላኻት ክውንነት ክቕበልን ከስተንትንን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ስነ ህልዩ ንክውንነት ዝቐትል፡ ንሓሳብ ዝቐትል፡ ንማሕበረሰብ ዝቐትል ዘዛንቕ እዩ። ንዅሉ ነገር ናብ ሓደ ሓሳብ የውሕዞ፣ ‘Veritatis Gaudium - ናይ ሓቂ ሓሴት’ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ከም ዝሕብሮ ተመራመርቲ ቲዮልጊያ ኣብ ካልእ ዓውድታት ከም ፍልስፍና፡ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን ክዋፈሩ ኣተሓሳሲቦም፡ ምስ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ብምውህሃድ፡ ንቅዱስ ቶማስ ኣኲናስን ቅዱስ ቦናቨንቸርን ዝምልከት መወከሲታት መሰረት ሕልኽልካት ክውንነት ንምርዳእ ክጽዕሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥

ቲዮሎጊያ ንኹሉ ተበጻሒ ምግባር

ኣብ መወዳእታ፥ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት - መንእሰያት እምነቶምን ትምህርቶምን ንምዕማቝ ዝዓቢ ዘሎ ተገዳስነት ኣስተብሂሎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ንኹሉ ተበጻሒ ክገብሩ ዓዲሞም። ቲዮሎጊያ ነቶም ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ህይወቶም ዕላማን ምሕዳስን ዝደልዩ ከም መምርሒ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል፡ ስለዚ፡ ተቕዋማት ቲዮሎጊያ “ቲዮሎጊያ ንዅሉ ምእንቲ ኺበጽሖ፡ ኣብ መደባት መጽናዕትታት ምትዕርራይ” ኪገብሩ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 December 2024, 16:41