ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበረሰብ ዓለም ምኽባር ሰብኣዊ ሕጊ ከረጋገጽ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 5 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ድሕር ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጎንጺ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ሰላም ክወርድ ጸሎት ክግበርን ማሕበረሰብ ዓለም ምኽባር ሰብኣዊ ሕጊ ከረጋግጽ ጻውዒት የቕርቡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ድሕሪ ደጊም ዜጋታትን ኣባይቲ ትምህርትን ይኹን ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ዕዮ ቦታታትን ዒላማ ዝገብር መጥቓዕቲ ኣይሃሉ!” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቲ ቀዳመይቲ ሰንበት 2025 ዓ.ም. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ጽኑዕ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፥ ማሕበረሰብ ዓለም “ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ብጽኑዕ” ክዋሳእ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ሊባኖስ፣ ሶርያ፣ ሚያንማርን ሱዳንን ፍሉይ ኣቓልቦ ገይሮም ኣብ መላእ ዓለም ቀጻሊ ጸሎት ምንቲ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ ተፈላለየ እዋን ዘቕረብዎ ጽውዒት ሰላም ከም ዘሐድሱ ኣመላኺቱ፥
ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ
ቅዱስ ኣቦና ኲናት ፈጺሙ ዓወት ከምዘየምጽእ ብምዝኽኻር . . . “ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት ምዃኑ ኣይንረስዕ፡ ኩሉ ግዜ!” ሓደራ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
06 January 2025, 12:33