ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ንፍቕሪ ኣምላኽ ምሰሉ፡ ልኡኻት ተስፋ ኩኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 5 ጥሪ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 1, 1 – 18 ዝተስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ እዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል “ብዝኾነ ነገር ዘይስዓር፡ ዋላ’ኳ ዕንቅፋታትን ምንጻግን እንተሃለወ ንመንገድና ዘብርህን ዝኹልዕን ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ የዘኻኽረና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ትስብኣቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመናድቕን ምፍልላይን እናሰዓረ፡ ምስ ዕጹው ኣእምሮን ልብን ጎፍ ንጎፍ ኣናተራኸበ፡ ዋላ’ኳ ብዙሕ ጸገማት እንተጋጠሞም፡ ትሑት ህይወት ማርያምን ዮሴፍን ከም ዝካፈል ዘርኢ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
እግዚኣብሔር ኢዱ ካብ ምዝርጋሕ ኣየቋርጽን እዩ
ኣብ ቅድሚ እዚ ኣብዛ ዓለም እንርእዮ ብድሆታት፡ “እግዚኣብሄር ደው ኣይብልን እዩ” ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንነፍሲ ወከፍናን ንዅሉን ክበጽሓና ዘኽእሎ ማእለያ ዘይብሉ መገድታት ይረክብ፡ ኣብ ዝሃለናሉ ቦታ . . . ንኽረኽበና ዘብጽሖ ኣብ ዝጸልመተ ለይቲ ሰብኣውነት እውን ከይተረፈ ነቲ ጸላም ለይቲ ዘብርህ መስኮት ይኸፍት!”
ኣብዛ ብርሃንን ተስፋን ሰላምን ኣዝዩ ዘድልያ ዓለም፡ ደቂ ሰባት ክህደም ዘይከኣል ዝመስል ከበድቲ ኩነታት ይፈጥሩ፤ ግናኸ ከምኡ ከምዘይኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ የረጋግጹልና፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንኣምላኽ ፍቕሪ ክንመስሎ፡ ኣብ ዝከኣለና ቦታ፡ ምስ ዝረኸብናዮ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ቦታን ብልጭታ ብርሃን ክንምስክር” ንጽዋዕ፥ ( the Pope said - ምሉ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ.) ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቀዳማይ ስጉምቲ ምውሳድ
“ሎሚ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ቀዳማይ ስጒምቲ ንምውሳድ ኣይትፍራሕ" ይብለና ኣሎ፡ እዚ ትብዓት ዝሓትት ኮይኑ፡ . . . "ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ድሙቕ መስኮት ቅርበት፡ ናይ ይቕረታ፡ ናይ ርህራሄን ዕርቅን . . . ነቲ ጉዕዞ ንጹር፡ ውሑስን ንኹሉ ዝከኣልን ንምግባር" ክፉት መስኮት ክነስፍሕ ተጸዊዕና ኣሎና” ቢሎም፥ እዚ ጻውዒት እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ኢዮቤል ተስፋ ንጹር እዩ፣ እዚ ድማ ልኡኻት ተስፋ ክንከውን ይላበወና፥ እዚ “መንገዲ ድሕነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ከመይ ጌረ መስኮት ብርሃን ክኸፍት?
ቅዱስነቶም፥ “ኣብ ከባቢየይን ኣብ ዝምድናታተይን ከመይ ጌረ መስኮት ብርሃን ክኸፍት ይኽእል? ፍቅሪ እግዚኣብሔር ክሓልፍ ኣበይ ብልጭታ ብርሃን ክኸውን ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ከምኡውን ማርያም "ናብ ኢየሱስ እትመርሓና ኮኾብ . . . ናይ ኣቦ ንኹሉ ዝኾነ ፍቕሪ መሰኻኽር ክንከውን" ክትሕግዘና በማላድነታ ንጸልይ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ምሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።