ር. ሊ. ጳ.፦ ስልጣኔ ሰላም ንምህናጽ ህይወት ንዓቅብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ላቲናዊ ዓወደ ኣዋርሕ ብሰባት ዘዕለቐለቐ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ እቲ "ዜገርምን ዘሕጕስን ምስጢር በዓለ ልደት" ኣስተንተኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንቶኦም መላእኽቲ ብዛዕባ እቲ ህጻን መድሓኒና መሲሕን ከምኡውን ጐይታን ምስ ነገርዎም ክርእይዎ እቶም ጓሶት ናብ ቤት-ልሄም ከም ዝኸዱ ዚገልጽ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣስተንተኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንህጻን ኢየሱስ ብዓይኖም ምስ ረኣይዎ "ንልቢ ናይታ ነዚ ህጻን እዚ እትሕልዎን እትሓስበሉን ዝነበረት ማርያም" ምስ ረኣዩ "ልቦም ብኣድናቖት ተመልኡ" ብምባል ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪቲ ብምኽንያት ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም ከም ምዃኑ ውን ኣተሓሳሰቡ።
"ኣምላኽ የድሕን"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ኢየሱስ ዝብል ናይ ዕብራይስጢ ስም "ኣምላኽ የድሕን" ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ ብምዝካር፣ ጐይታ ብኸመይ ከም ዝድሕን እንክገልጹ ህይወቱ ኽህበና ኢሉ ናብ ዓለም ከም ዝመጸ ገለጹ።
"ኣምላኽ ምእንታና ኺውለድ ሐረየ፦ እዛ ኢየሱስ እትብል ስሙ መግለጺ ናይታ ኣብ ዓለም ሰላም እተምጽእ ዘለኣለማዊት ፍቕሩ እያ።"
ልቢ ማርያም
ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልቢ ማርያም "ነቲ ምሕረት ኣቦ ዜንጸባርቕ ህጻን መሲሕ" ብኸመይ ከም ዝመሳሰሎ ገለጹ። ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኸም ዝገለጽዎ እቲ ንጹሕ ልባ፣ ንኣዋጅ እቲ ሊቀ መላእኽቲ ገብርኤል ዝሰምዐ ኣእዛና፣ ኢዳ እቲ ንዮሴፍ ከም መርዓት እተዋህበ ከምኡውን ነቲ ኢልሳቤጥ ኣብ ግዜ እርጋና ዘወፈየትላ ሕቝፊ እዩ ዘንጸባርቕ።
"ትርግታ ልቢ ድንግል ማርያም ንተስፋ ድሕነት ኵሎም ፍጡራት ኢዩ ዝወቅዕ።"
ልቢ ኣደ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ንሰላም እተወፈየት ዕለት ሓድሽ ዓመት ኣዴታት ንደቀን ወትሩ ብኸመይ ከም ዚሓስባኦም ብምዕዛብ ነተን "ብልበን ዚሕጐሳ" ከምኡውን ነተን "ደቀን ብዓመጻ ብትዕቢት ብጽልኢ ስለ እተመንጠሉ ብመከራ ዝተመልአ ልቢ" ዘለወን ኣዴታት ብፍሉይ መገዲ ኽንዝክረለን ከም ዘሎና ገለጹ።
"ከመይ ዝበለ ሰላም ኰን እዩ! እቲ ንልቢ ኣዴታት ዚሰብር ውግእሲ ኽሳዕ ክንደይ ኢሰብኣዊ ተግባር ኰን እዩ!"
ሓጐስ ወንጌል ምንባር
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈለማ ብዛዕባ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስትንታን ብኣግራሞት ስቕ ክንብልን ከምኡውን ነቲ ዜደንቕ ሓቅነትን ሰናይ መልእኽትን ድሕነትን ኣብ ልብና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኸም እንጽዕር ብስትንታን፣ ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ ናይ ገዛእ ርእስና ምርምር ክንገብር ሓሳባት ኣቕረቡ ። ብዘይካዚ ሰላምን ይቕረታን ዕርቅን ብናጻ ብምሃብ ነዚ ዓብዪ ውህበት እዚ ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ኸም እንኽእል ክንሓስብ ውን ተማሕጸኑ ።
"እታ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ ዝዀነት ድንግል ማርያም ሓጐስ ወንጌል ኣብ ልብና ኽንሕሉን ኣብ ዓለም ክንምስክረሉን ትምሃረና።" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።