ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መራሕቲ ዓለም ዕዳ ድኻታት ሃገራት ክስርዙ ይጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ውግእ "ኩሉ ግዜ ጥፍኣትን ስዕረትን እዩ . . . ኣይፋል ንውግእ! ቢሎም ኣስዒቦም፥
ዝኾነት ሃገር ይኹን ህዝቢ "ብዕዳ ክጽቀጥ የብሉን . . . ዕዳ ሃገራት ክስረዝ ጻውዒት አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምስራዝ ዕዳ ንዝደኸያ ሃገራት
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንመራሕቲ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቦም። “እግዚኣብሄር ብቐዳምነት ይቕረ ከም ዝበለልና፡ ንሕና እውን ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ‘ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነርብ ዝብል ካብ ኢየሱስ ዝተመሃርናዮ ጸሎት’ እንሓተቶ” ቢሎም፥ “ዝኾነ ውልቀ ሰብ፡ ስድራ፡ ወይ ሰብ ብዕዳ ከይጽቀጥ፡ ነዚ ይቕረታ ናብ ማሕበራዊ ኣገላልጻ ክንትርጉሞ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ይጽውዓና። መራሕቲ ክርስትያናዊ ልምዲ ዘለዎም ኣህዛብ ዕዳ ናይተን ዝደኸያ ሃገራት ብምስርዝ ወይ ብዓቢኡ ብምንካይ ኣብነት ክኾኑ እላቦ።”
ምስጋና ንገበርቲ ሰላም
ኣስዒቦም ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ብግጭት ዝተዓብለለ ከባቢታት ፍትሕን ሰላምን ንምስፋን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገባብ ንዝዓዩ ዘለዉ ኩሎም ልባዊ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥
"ኣብቶም ብግጭት ዝተሃስዩ ብዙሓት ዞባታት፡ ዘተን ምይይጥን ክረጋገጽ ንዝሰርሑ ኩሎም ዓሚቕ ምስጋናይ አቕርብ . . . ኩሉ ኲናት ከብቅዕን ኣብ ሰላምን ዕርቅን ወሳኒ ትኹረት ክግበር ንጸሊ። ሓሳባተይ ናብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን: ቓዛ: እስራኤል: ሚያንማር: [ሰሜን] ኪቩ: ከምኡውን ናብ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ግጭት ዘለዉ ህዝብታትን ህገራትን እገብር . . .
እቲ ኣዕናዊ ክውንነት ኲናት
እንክብሉ ቅዱስነቶም ብተለቪዥን ኢጣልያ ዝመሓላለፍ “ብኣምሳሉ” ዝብል መደብ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዘመሓላለፎ ምስልታት ሳዕቤናት ውግእ ተወኪሶም፥
“ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ውግእ የጥፍእ እዩ። ኩሉ ግዜ ጥፍኣት እዩ! ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ። ወትሩ። ንዅሎም እቶም ንሰላም ዚጽዕሩ ልባዊ ሞሳ እገልጽ”
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰላምታ ንናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ማታሬላ
ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ ሰርጆ ማታሬላን ህዝቢ ኢጣሊያን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ኩሉ ተመንዮም ንሃገረ ኢጣሊያን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማታረላ ዕለት 31 ታሕሳስ ምሸት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኢጣሊያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዕለት ሓደ ጥሪ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም መሰረት ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 58 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሕልና ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፥ “ኩሎም- መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን፡ መራሕቲ ኣህጉራውያን ትካላት፡ በርገሳውን ሃይማኖታውን ሰበስልጣን- ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቁስሊ፡ ነቲ ዘጨንቕ ማሕበራውን ቁጠባውን ምብትታንን ኣብ መንጎ ሃገራት ንሰላማዊ ልምዓት ዘስናኽ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታትን ክፈትሑ” ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም፥ ሰላም ንምውሓስን ከም ስደት፣ ብከላን ዕንወትን ከባቢ፣ ከምኡ’ውን ሓዲሽ እደ ጠበባዊ ምዕባለ ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዕድላትን ዝኣመሰሉ ብድሆታት ንምፍታሕን ህጹጽን ተባዕን ስጉምትታት ክውሰድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብስም ህዝቢ ጣልያን ቀጻሊ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።