ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ 'በሰላታት' ሕፃናት ኣስተንቲኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህቶ ዘመነ ልደት ብዛዕባ ዅነታት ቈልዑን ሕፃናትን ንምስትንታን ግቡእ ግዜ ምዃኑ ገለጹ፣ ብፍላይ ሽቕለት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዝምልከት ኣብዘን ክልተ ሰሙናት እነስተንትኖ ኣርእስቲ ክኸውን ኢዪ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ቅዱስነቶም ነቲ ሰሙናዊ መደብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብጸሎት ድሕቲ ምኽፋት ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 18፣ ካብ ፍቕዲ 15 ክሳብ 17 ብዝተፈላልዩ ቋንቋታት ዓለም ተነበ።
ንባብ፦ ሊቃስ 18፡15-17
ኢየሱስ ንሕፃናት ኢዱ ከንብረሎም ናብኡ ኣምጽእዎም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነዚ ርእዮም ገሠጽዎ። ንሱ ግና ጸዊዑ፣ “መንግሥተ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ኢያ እሞ፣ ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኅደጉ ኣይትኸልክልዎም። ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ሓደ ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ኸቶ ኸም ዘይኣትዋ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም።
ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ኣስተምህሮ ቅዱስነቶም ነቕርበልኩም ሰናይ ምክትታል።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቑራት ውሉልስን ከመይ ሓዲርኩም!
ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስን ነቶም ቀጺልና እንገብሮምን ትምህርትታትን ኣብ ዘመነ ልደት ርከብ ስለዘሎና ንሕፃናት ዝምልከት ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን ደልየ ኣሎኹ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ንትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ምውፋር ዜምጽኦ መቕዘፍቲ ከነስተንትን ኢና ። እወ! ሎሚ ናብ ፕላኔት ማርስ ወይ ናብ ምናባዊ ዓለም ክንጥምት ንደሊ ኢና፣ እንተዀነ ግን ኣብ ንሓደ ኣብ ሕድጋት ዝተረፈ እሞ ዝምዝመዝ ዘሎ ወይ ዝዕመጽ ዘሎ ህጻን ብዓይንና ምርዓይ ግን የጸግመና ኢዩ። እቲ ኣብ ብዙሓት ፕላኔታት ክነብር ዝህቅን ዘሎን ንሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝመሃዘን ዘመን ውርደትን ምዝመዛን፣ ነቲ ሞት ዜስዕብ ዘሎ ቍስሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ክሳዕ ሕጂ ኣይተራእዮን ዘሎ ።
ቅድሚ ኹሉ እምበኣር ንርእስና ኸምዚ ዝስዕብ ኢልና ንሕተት - ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ቘልዑን ሕፃናትን እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላፈልና? ደድሕቲ እታ ብተደጋጋሚ ኣብ ብሉይ ኪዳን እትርከባ ያህዌ እትብል ቃል (ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእቲ ግዜ እተጠቕሰት) መለኮታዊት ስም ዝመጽእ እዛ በን እትብል ቃል ማለት “ውሉድ” እትትርጐም ኣስታት ሽድሽተ ሽህ ግዜ ተጠቒሳ እንረኽባ ምዃና ኸነስተብህለሉ ኣሎና ። "ውሉድ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ፣ ንሳቶም እግዚአብሔር ዝህበካ በረኸት ኢዮም።" (መዝ 127፡3) ቈልዑን ሕፃናትን ውህበት ኣምላኽ እዮም ። እቲ ዜሕዝን ግና እዚ ውህበት እዚ ወትሩ ኣይኰነን ብኣኽብሮት ዚተሓዝ ዘሎ ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ኣብቲ ናይ ሓጐስ መዝሙራት ዝዝመርሉ ናይ ታሪኽ ጐደናታት ይመርሓና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኣውያት እቶም ግዳያት እውን ይጭርድ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ድጕዓ ኤርሚያስ ከምዚ ዝብል ነንብብ - "ልሳን ሕጻን ብጽምኢ ናብ ትንሓጐም ተጣበቐ፣ ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ ቍራጽ ዚህቦም ግና የልቦን" (4፡4)፣ ነብዪ ናሆም ድማ ነቲ ኣብ ጥንታውያን ከተማታት ቴብስን ነዌን ዘጋጠመ ነገራት ብምዝካር "ሕፃናቶም ድማ ኣብ ኵሉ መንገድታት ተጨፍሊቖም ሞቱ" ክብል ጸሓፈ (3፡10)። ሎሚ ኽንደይ ቈልዑ ብጥሜትን ብድኽነትን ይሞቱ ኸም ዘለዉ ወይ ከኣ ብደብዳባት ቦምብታት ከም እተበታተኑ እሞ ሕስብ ኣብልዎ።
እቲ ንሕጻናት ቤት-ልሄም ዝቐተለ ሄሮድስ ዘበገሶ ዓመጻ፣ ነቲ ገና ዕሼል ህጻን ዝነበረ ኢየሱስ እውን ከይተረፈ ተባርዐ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ብኻልእ መንገድታት ውን ዚድገም ዘሎ ዜሕዝን ፍጻመ ኢዩ። ንኢየሱስን ንወለዱን ከምቲ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ኣብ ወጻኢ ሃገር ስደተኛታት ምዃን ዘስዓበ ዜስካሕክሕ ፍጻሜ ውን እዩ። (ማቴ 2፡13-18)። እቲ ማዕበል ምስ ሓለፈ ኢየሱስ ኣብ ሓደ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፈጺሙ ኣብ ዘይተጠቕሰ ቝሸት እዩ ዓብዩ፣ ዕዮ ስራሕ ዕንጸይቲ ድማ ኻብቲ ሕጋዊ ኣቦኡ ዮሴፍ ተማህረ (ማር 6፡3፣ ማቴ 13፡55)። በዚ ኸምዚ "እቲ ሕፃን ዓበየ፣ ጥበብ መሊእዎውን ደልደለ፣ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ነበረ" (ሉቃ 2፡40)።
ኢየሱስ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ህይወቱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ኻብ ቍሸት ናብ ቍሸት እናኸደ ይሰብኽ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ገሊአን ኣዴታት ናብኡ ቐሪበን ንደቀን ኪባርኻም ናብ ኢየሱስ ኣቕረባኦም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግን ገንሕዎን ። ስለዚ ኢየሱስ ነቲ ንህጻናት ከም ናይ ባዕሎም ምንም ነገር ዘይብሎም ጌርካ ዚርኣዩሉ ዝነበሩ ልምዲ ብምጥሓስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዑ "ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ ሕደግዎም ኣይትኸልክልዎም፣ ከመይሲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እያ" በሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ንኣሽቱ ንዓበይቲ ኣርኣያ ይዀንዎም ። ወሲኹ ድማ "ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኮይኑ ዘይተቐበላ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከቶም ከም ዘይኣትዋ እብለኩም ኣሎኹ" (ሉቃ 18፡16-17)።
ኣብ ተመሳሳሊ ኽፋል ወንጌል ኢየሱስ ንሓደ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኣቢሉ "እንተ ዘይተመለስኩም ከም ህፃናትውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይክትኣትዉን ኢኹም" (ማቴ 18፡3)። ብድሕር’ዚ "ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ንዘስሕት መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ኣሲሮም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ደርበይዎ ይሓይሽ" (ማቴ 18፡6) ክብል ውን ኣጠንቀቖም። ።
ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ቘሉዑን ሕፃናትን ዕሽሽ ኪበሃሉ ወይ ኪግፍዑ መሰሎም ክሕደጉ፣ ፍቕሪ ክጐድሎም ወይ ዕቝባ ክሰእኑ ኺፈቕዱ የብሎምን ። ክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑን ሕፃናትን ዚወርድ ዝለኦ ዓመጻ ወይ ማህሰይቲ ከወግድዎን ኣጽኒዖም ኪዅንኑን ግዴታ ኣለዎም።
ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብፍላይ ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ሥራሕ ዓለም ክጽመዱ ይግደዱ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ሕጐስ ዘይበለን ዘይሓልምን ቈልዓ ነቲ ተውህቦኡ ኽፈልጦ ወይ ከዕብዮ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ንህይወት ዘየኽብር ብቍጠባዊ ዅነታት ንቘልዑን ሕፃናትን ዝምዝምዝዎም ኣለዉ፣ ከምዚ ኽንገብር ከሎና ነቲ ዝዓበየ ተስፋን ፍቕርን ናባና ዘጥፍእ ቍጠባዊ ዅነታት ኢዩ ። እንተዀነ ግን ቈልዑ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኢዩ ዘለዎም ንቘልዓ ዝጐድእ ዘበለ ኸኣ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን እቶም ንገዛእ ርእሶም ከም ደቂ ኣምላኽ ገይሮም ዚርእይዋ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብስራት ወንጌል ንኻልኦት ኬብጽ ሑሎም እተላእኩ ብዛዕባ እዚ ዘይግድሶም ዀይኖም ኪቕጽሉ ኣይክእሉን እዮም፣ እቶም ንኣሽቱ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ ክንዲ ዝፍቀሩን ዕቝባ ዚረኽቡን፣ ቍልዕነቶምን ትምኒቶምን ክስረቑ ግዳያት ምዝመዛን ተነጽሎን ክኾኑ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና ።
ንሓልዮትን ለውሃትን ኣእምሮናን ልብናን ክኸፍተልና፣ ንጐይታ ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ውሉድ ኣወዳትን ኣዋልንድ ከኣ በዕድመን ጥበብን ጸጋን ንክዓብዩ (ሉቃ 2፡52) ፍቕሪ ክቕበሉን ፍቕሪ ክልግሱን ንለምኖ።