ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላምን ነቶም ብሰንኪ ውግእ ንዝሳቐዩን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላምን ነቶም ብሰንኪ ውግእ ንዝሳቐዩን ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላምን ነቶም ብሰንኪ ውግእ ንዝሳቐዩን ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ ብምኽንያት በዓለ ኣስተርዮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቶም ዕለት 7 ጥሪ በዓል ልደት ዘብዕሉ ናይ ምስራቕ ስርዓተ ኣምልኾ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናን ብምሕሳብ፥ ምስቶም ብሳዕቤን ግጭት ዝተሃስዩ ቅርበቶም ጸሎቶምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ሰምዕዎ ቃል ኣብ ዩክረይን ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ኩለን ኣብ ኲናት ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር ሰላም ምእንቲ ክወርድ ካብ ምጽላይ ሓደራ ኣይንብኮር እንክብሉ ተማሕጺኖም፥ ኣስዒቦም እውን ነቶም ዕለት 7 ጥሪ በዓለ ልደት ንዘብዕሉ ናይ ምስራቕ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ብምዝካር ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮም፥

ብፍሉይ መንገዲ ነቶም ብሰንኪ ገና ዝቕጽል ብዘሎ ግርጭታት ንዝሳቐዩ ቅርበተይን ጸሎተይ አረጋግጽ።  ኢየሱስ መስፍን ሰላም ንኹሉ ሰላምን ቅሳነትን ጸግው!

ካብ ካልኦት ኣህጉራት ንዝመጹ መንእሰያት ጸሊ

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ልኡካነ ወንጌል ሕጻናትን መንሰያትን ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ልኡካነ ወንጌል ሕጻናትን መንሰያትን መርሕ ቃል፥ "ኪዱ ንኹሉ ናብቲ ጽምብል መርዓ ኣድምዎም” ዝብል ምዃኑ እውን ብምዝኽኻር፥

ንልኡካነ ወንጌል ህጻናትን መንእሰያትን መላእ ዓለም ሰላምታይ አቕርብ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት ንዝርከቡ መዛኑኦም ወኪሎም ንጸሎትን ምትሕግጋዝን ኣብ እትገብርዎ ተወፋይነት አተባብዓኩም!

"ኪዱ ንኹሉ ናብቲ ጽምብል መርዓ ኣድምዎም”
"ኪዱ ንኹሉ ናብቲ ጽምብል መርዓ ኣድምዎም”

ምስበሉ ኣብ መወዳእታ ንተሳተፍቲ ናይቲ ብንኡስ ዞባ ኣመሊያን ጎረባብቲ ከተማታት ንኡስ ዞባ ኣመሊያ ዝተወፈየ ኣብ ናይ ለምዘበን በዓለ ኣስተርዮ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢት ንዝተሳተፉ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ "ፈተውቲ ታሪኽን ልምድን" ከምኡ እውን ነቲ ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዝቐርብ ዓብይ ናይ ሰልፊ ምርኢት ሰብኣሰገልን ብምዝካር - ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ጎደናታትን ዋርሶን ኣብ ካልኦት ወጻኢ ሃገራትን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ዝቐርብ ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ እዚ መግለጺ እምነት ዝኾነ ሰናይ ባህሊ እዩ ቢሎም ሰናይ በዓለ ኣስተርዮ ይግበረልና እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 January 2025, 15:44