ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንልኡካነ ሃገራት ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ብእተፈላለየ ግጭታት ራዕዲ ማሕበራዊ ውጥረት ከምኡውን ንሰባት ብዝገማምዕ ሓድስቲ ዕንቅፋታት ክትበታተን ከም እትኽእል ገሊጾም፥
ንዅሎም ሰባት ነቲ "ርትዓዊ ውግእ ዝብል ኣተሓሳስባ" ኣወጊዶም ኣብ ክንዳኡስ ኣብ መጻኢ ካብ መገዶም ምእንቲ ኸይስሕቱ ሰላማዊ መጻኢ ንምህናጽ ቈራጽነት ዝገበሩ ናይ ተስፋ ነጋድያን ውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ኴንና ኽንቅጽል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንኣገዳስነት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምጕላሕ፡ ነፍሲ ወከፍና "ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር" ዳግማይ ንኸነለልይ ዓቢይ ዕድም ምዃኑ ብምዝኽካር ነቶም ኢጣልያውያን ሰበ - ስልጣን ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናብ ዘለኣለማዊት ከተማ ሮማ ንዝነግዱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድያን ንምቕባል ንኸተማ ሮማ ንምድላው ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስጋናኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተስፋ ኣብ ሓቂ
ነቲ ጽዑቕ ደበና ውግእ በቲ "እተሓደሰ ንፋስ ሰላም" ክድምሰስ ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ገሊጾም፥ ኵሎም ሰባት ብተፈጥሮኦም ንሓቂ ጽምኢ ኸም ዘለዎምን ከምኡውን ካብ ጸበባ ዘድሕነና ሰብ ከም ዘድልየና ዝገልጽ ብስራት ክንሰምዕ ሃረር ከም እንብል ኣመላኺቶም፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ "በቲ ኣብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ እተራእየ ሰፊሕ ባህላዊ ለውጢ ማለት እቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምስ ንግዳዊ ረብሓታት ብዝያዳ ኸም ዚሰማማዕን ኣብ ንግድ እተሰረተ ባህሊ ዘይተጸልወ ዳርጋ ዋላ ሓደ ኵርናዕ ዓለም የለን . . .
ቋንቋ ብፍላይ ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ትርጕም ስያመታት ንምቕያር ወይ ንትሕዝቶ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ብሓደ ወገን ንምትርጓም ዚግበር ጻዕሪ ከም ዜጕህይ ኣመላኺቶም፥
"ምስ ብጥንቃቐ እተመደበ መደባት ብምስምማዕ ንልምድታትን ታሪኽን ሃይማኖታዊ ምትእስሳርን ህዝብታት ንምጥፋእ ዝጽዕር ጽንሲ ምንጻል ሕጋዊ ንምግባር ዝጽዕር ግሁድ ርእየተ ዓለማዊ መግዛእቲ ኢዩ ዘመልክት" ቢሎም፥ ከም መልሲ ናይዚ ድማ ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ናይ ተስፋ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፥ እዚ ድማ ንደቅሰብ ከም ሓቂ መልሕቑ ዝገብር ሓባራዊ ቛንቋ ንምሃብ ክውንነትን ሓቅን ፍልጠትን ዘራኽብ ኢዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኪኖ ጽልኢ ንምስግጋር ይቕሬታ
ኣስዒቦም ጽልእን ዓመጻን ንዝፈረሰ ርክብ ነቶም ግዳያት ብዚከናኸን መገዲ ንምዕራይ ዝኽእል "ናይ ምሕረት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ” ክረጋገጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ዩክረይንን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ውግእ መወዳእታ ክግበረሉ ተማሕጺኖም፡ ግጭታት ኣብ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዘምጽኦ ዓቢ መጒዳእቲ ድማ ዘኪሮም፥"ውግእ ወትሩ ፍሽለት ኢዩ” ዝብል ደጋጊሞም ዝግለጽዎ ሓሳብ ብምቅላሕ፥ "ውግእ በቲ ብቐጻሊ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ እተራቐቐ ኣዕናዊ ኣጽዋር ከም ዝባራዕ እውን ከም ዘጉልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኵሎም ሶርያውያን እንኮላይ ክርስትያን ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ ምልእቲ እታ ሃገር ክዋፈሩን ተጠቀምቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሶርያ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ነቲ ኣብ ምያንማር ሱዳን ሳሀል ቀርኒ ኣፍሪቃ ሞዛምቢክ ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ውግእን ምስሕሓብን ክውገድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣመላኺቱ፥
ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ - ሴማዊነትን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝወርድ መስጐጕትን ኰኒኖም።
"ንሕልና ውልቀ - ሰባት ኣኽብሮት ከም ዘሎን እምነትን ኣባል ማሕበረሰብን ብግህዶ ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ ኸም ዘሎን ዘመልክት ውሕስነት ሃይማኖታዊ ናጽነት እንተ ዘየለ ናይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናጽነትን ፍትሕን ከም መሰረት ሰላም
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ንግድ ሰባት ወልፊ ሓሽሽ ከምኡውን ካልእ ዓይነት ዘመናዊ ጊልያነት ዘስዕቦ መቕዘፍቲ ደው ንምባል "ኣብ ናጽነት ዘተኩር ስነ ሜላዊ ርክብ” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንዅለን ሃገራት ነቶም ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ግዳያት ንግድ ሰባትን ስደተይናታትን ክከናኸኖም ተማሕጺኖም፡ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ስደትን ምዝብልናን ንምፍታሕ እውን ጻዕሪ ኽግበር ተማሕጺኖም፡ ናይ ተስፋ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እንክብሉ ብምጕላሕ ማሕበራዊ ይኹን ቍጠባዊ ዕዳ ኽስረዝ፡ "ሎሚ ፍትሒ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ፍትሒ ፈጺሙ ከረጋገጽ ዘየኽኣለ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ኵለን ሃገራት ክይህሉ ጻውዒት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ደጊሞም ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንናይ ሓባር ገዛ ናይ ምህዳር ዕዳ ምምላስ
ቅዱስነቶም ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ ሓባራዊ ቤትና ዘለዎም ዕዳ ዘኪሮም፡ ሃገራት ነቲ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምውጋድ ገዝድግፍ ሃብቲ ገንዘብ ንምምዋል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ተማሕጺኖም፥ "ብመሰረት እዚ ምህዳራዊ ዕዳ እዚ ነቲ ናይ ድኻታት ሃገራት ግዳማዊ ዕዳ ናብ ዘይንጸል ዕቤት ደቅሰብ ንምድንፋዕ ውጽኢታውን መሃዝትን ሓላፍነት ዝስምዖን መምርሕታትን መደባትን ንምቕያር ዘኽእል ውጽኢታዊ መገድታት ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ" ቢሎም፥ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ከበግሱ እንከልዉ ቅዱስነቶም ነቲ ሰላም ንምርካብ ዘሎና ባህጊ ምእንቲ ኺፍጸም ተስፋ ኣብ ኣልባብ ኵሎም ሰባት የዐንብብ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።