ር. ሊ. ጳ. ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ፦ እቲ ኰዀብ ዅሎም ሰባት ንክርስቶስ ኪደልይዎ ይጽውዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንኽብሪ በዓለ ኣስተርእዮ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነቲ ናብ ጐይታ ዘመልክት ዝነበረ ኮኾብ ብምዝካር ንዅሉ ሰብ ከም ከም እተገልጸን ንጐይታ ኣብ ዅሉ ነገራት ክንደልዮ ከም ዝዕድመናን ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ኰዀብ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ኵሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ሃብታማት ድኻታት ብሓባር ኰይኖም ብብልጽግናን ብሰላምን ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚነግረና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክብረ በዓል ኣስተርእዮ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከሎ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣካፈሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ነቲ ንሰብኣ ሰገል ናብ ህጻን ኢየሱስ ዝመርሖም ሰለስተ ባህርያት ናይቲ ኰዀብ ኣተኲሮም ኣስተንተኑ።

ፈለማ እቲ ኰዀብ "ብሩህ" ምንባሩ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ብግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ገዛእቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጸሓይ ብዚተሓሓዘ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘመልክት ከም ዜብርህ ምስሊ ከም ዝነበሮም ኢዩ ዘዘኻኽረና።

ኣብ እዋን በዓለ ልደት እቲ ናብ ኢየሱስ ዝመርሕ ኰዀብ ነቲ ዝሑልን ሰብኣዊ ዝኾነ ክብረት እዞም ነገስጋት ኣብ ክንዲ ዝመስል ንኻልኦት ሰባት ኣብርህ ኢዩ ዝነበረ ፣ እዚ ኸኣ ስስዐ ዘይብሉ ፍቕሪ እዩ ዘመልክተልና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ብርሃን እዚ ፍቕሪ ናይቲ ሰብ ኰይኑ ህይወቱ መስዋእቲ ብምግባር ገዛእ ርእሱ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ" በሉ።

ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ናብ ፍቕሩ ብምቅራብን ድንጋጸን ለውሃትን ብምንጽብራቕ ናብ ክርስቶስ ክንመርሖም ጻውዒት ይቐርበልና ኣሎ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ነዚ ንምግባር ድማ ብፍሉይ ዝበለ መገድታት ወይ እተራቐቐ ሜላታት  ኣየድልየናን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ንልብና ብእምነት ከም ዝበርህ ብምግባር ፍሕሽው ንተቐባልን ገጽ እንተ ሃለወና፣ ተግባራትናን ሕውነታዊ ቃላትናን ለውሃት ዝመልኦ ብምግባር ክንምስክር ንኽእል ኢና። "

ንዅሎም ደቂሰባት ዜነቓቕሕ ምልክት

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኰዀብ "ንዅሉ ሰብ ዝርአ" ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ኰዀብ እዚ ንሒደት ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብ ናብ ክርስቶስ ከም ዘምርሕ ገበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ብቕንዕና ልቢ ዚደልዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ጕዕዞኡ ምርሒት ኺረክብ ይኸል እዩ ።

ወዲ ኣምላኽ ሰብ ምስ ኰነ ንዅሎም ዓሌታትን ቋንቋታትን ሰባት ሓደ ዓይነት ኣድማሳዊ ተልእኾ ብምሃብ ተቐበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ወይ ተነጽሎን ክንነጽጎ ኢዩ ዝጽውዓና፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ማሕበረሰብናን ምስ ጐረባብትናን እቲ ጸቢብ ናይ ፍርህን ኵነኔን ቦታታት ብምኽፉት ቦታ ሕብረት ከምኡ ውን ህይወት ብምክፋል ዝትካእ ጽኑዕ ናይ ተቐባልነት ባህሊ ንምድንፋዕ ኢዩ።"

ወሲኹ ድማ እቲ ኰዀብ ዘንጸባርቖ ብርሃን ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዕ የግዳስ ንሓድሕድና ንምትሕብባር ድልድል ሰላም ክንሃንጽ ከሎና ከም ዝሕጐስ ኢዩ ዘርእየና ።

ኣብ ጐእዞ ዝለዉ ነጋድያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ሳልሳይ መለለዪ ናይቲ ኰዀብ ምስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እተተሓሓዘን ንግደት ንኽገብር ከም ዝዕድመና ብምትእስሳር "መገዲ ዝሕብር" ምዃኑ ኣስተንተኑ።

ብርሃን እቲ ኰዀብ "ንክርስቶስ ብእኡ ኸም ዝኣመንናን ብዙሕ ምሕረቱ ኸም እንቕበልን እናነገረና ምሉእ ብምሉእ ምሳኡ ምእንቲ ኽንራኸብ ካብ ኵሉ ገለልተይናነት ንልብና ሓራ የውጽኦ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ጥንቲ ክርስትያናዊ መንነትና ከም ሰዓብቲ እታ መገዲ ጌርና ኽንቅበሎ ብምዕዳም፣ ነፍሲ ወከፍና ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንራኸብን ምእንቲ ኸነኽብሮን ንሓድሕድና ብምቕባልን ብትሕትና ብምምልላስን ወትሩ ለጋሳት ክንከውን ክንጽዕር ከም ዘሎና ብምግላጽ  ስብከቶም ዛዘሙ ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ኣስተርእዮ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ
07 January 2025, 13:03