ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህይወት እናኽበርና 2025 ንማርያም ሕድሪ ንበላ!

ማርያም “ደጊማ ኣብ ምሥጢር ልደት ተእትወና፡ ናብ ኢየሱስ ድማ ትመርሓና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት 1 ጥሪ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ቅድስተ ማርያም ከም ኣደ ናብኡ ክንጥምትን ናብኡን ትመርሓና” እንክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣስተብሂሎም፥

ምስጢር በዓል ልደት

ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ፡ “ዳግማይ ኣብ ምስጢር ልደት ንኽንኣቱ ትድርኸና ” – ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ምዕ. 4, 4 – 7 ዝተወስደ ምንባብ -  ዘመልክቶ ምስጢር” ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ” . . . ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ጊልያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ” እንክብል ዘረጋግጸልና ምስጢር . . . ጠቒሶም እዘን ቃላት እዚኣተን “ሎሚ ኣብ ልብና የቃልሓን ኢየሱስ መድሃኒና ስጋ ከም ዝለበሰን በቲ ድኹም ስጋ ከም ዝተገልጸን የዘኻኽረና - ኣምላኽ ገለ ዘይንጹር ሃይማኖታዊ ስምዒት ወይ ሓላፊ ስምዒት” ኣይኮነን ገጽን ስምን ከም ዘለዎን ምስኡ ርክብ ንኽህልወናን ንጽዋዕ . . . ኢየሱስ፡ ሓደ ካባና እዩ፡ በዚ ኸኣ የድሕነና ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኢየሱስ ወጅሂ ኣምላኽ የርእየና

ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ጋላትያ እተወስደ ምንባብ ብዛዕባ ሰብኣውነት ክርስቶስ ይዛረበና” “ብድኻም ስጋ ዝግለጽ . . . ከም ንእሽቶ ህጻን፡ ብድንግል ማርያም ኣቢሉ ብምምጻእ እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኣብ ታሪኽ ሰብኣውነትና ክዋሳእ ከም ዝደለየ ይገልጸልና፡ “ንኡስን ሕቡእን” ብምዃን! ኢየሱስ፥ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ጽባቐ ሰብኣውነቱ ኣግሂዱ፣ ኣብ ማእከልና ሓዲሩ፣ መዓልታዊ ህይወትና ይካፈል. . . . ኢየሱስ ብድኻም ሰብኣውነቱን ንድኹማትን ተቓላዕትን ብዘለዎ ሓልዮትን፣ ወጅሂ ኣምላኽ የርእየና።፥

“ነቲ ክቡር ህያብ ሕይወት” ንምሕላው “ካብ ማርያም” ክንመሃር ንኽእል ኢና ብዝብል ተስፋ “ነዚ ሓድሽ ዓመት ንማርያም ወላዲተ እግዚኣብሔር ኣሕሊፍና ሕድሪ ንበል” እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ንኹሉ ህይወት ወዲ ሰብ ምኽባር

ኣስዒቦም ቅዱስነቶም፥ ሎሚ እውን ኣብዚ መበል 58 ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም “ኩላትና ነቲ ካብ ኣደኣዊ ልቢ ማርያም ዝውሕዝ ጻውዒት ክንውከስ ንዕደም . . .  ሕይወት ከነኽብር፡ ሕይወት ክንከናኸን፡ ናብ ሕይወት ኩሉ ሰብ ክብሪ ክንመልስ . . . እዚ ካብ ሰበይቲ ምውላዱ መሰረት ናይ ሰላም ባህሊ ንምህናጽ ዝድርኽ እዩ።”

እዚ ድማ ምኽንያት ናይቲ “ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብ ንምኽባር ጽኑዕ ተጸምዶ ንኽንገብር ጻውዒት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ “እዛ ሓዳስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ንማርያም ኣሕሊፍና ንሃባ” ቢሎም፥ “ሕቶታትና፡ ጭንቀትና፡ ስቓይና፡ ሓጐስናን ኩሉ ኣብ ልብና ሒዝናዮ ዘለና ስክፍታታትን ኣሕሊፍና ንሃባ። ተስፋ ዳግማይ ምእንቲ ኽትውለድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዅሎም ህዝብታት ምድሪ ሰላም ምእንቲ ክጥጥዕ መላእ ዓለም ብሕድሪ ንሃባ” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2025, 15:44