ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ተስፋ ኵላዊ ሕውነት ኢየሱስ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ምዝዛም 2024 ዓ.ም. ዕለት 1 ጥሪ ዝጽምበል ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሸት ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ካብ 2024 ናብ 2025 ዓ.ም. ንዘሰጋገረና እግዚኣብሔር መዝሙር ውዳሴ ስብሓት ለከ እግዚኦ ከም ዝመርሑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ምዝዛም 2024 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ስለ በረኸቱ ኣተቕርቦ መዝሙር ምስጋና ከምኡ እውን ዕለት 1 ጥሪ ዝበዓለ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ምኽንያት ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም፥ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ማርያም “ምልክት ዘመንና” ብመንጽር ምስጢር ኢየሱስ ከነንብብ ትሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሮማ: ንኹሉ ሰብ ክትቅበል ትጽዋዕ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2025 ዓ.ም. ሮማ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዝገበረቶ ክቡር ምድላው ብምዝካር፥ እዚ ድማ ምስቲ ሮማ “ኩሉ ሰብ ከም ውላድ ኣምላኽን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕዱ ምእንቲ ክላለይ” ተቐባሊት ኵሉ ክትከውን ምስ ዘለዋ ጸዋዕታ ዝሰማማዕን ዝምጥንን ምዃኑ ብምዝኽካር፥ እግዚኣብሔር “ኣብዚ ዓቢ ዕላማ፡ ምስዚ ተስፋ ሕውነት ዝኾነ ኵላውነት” ክንሰርሕ ስለ ዝፈቐደ ብፍላይ ነመስግኖ” ቢሎም፥ “ተስፋ ዓለም ኣብ ሕውነት እዩ” ከተማ ሮማ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ መላእ ዓለም፣ ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮኑስ “ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ኣመንቲ፡ ከምኡ’ውን ደለይቲ ሓቂ፡ ሓርነት፡ ፍትሕን ሰላምን – ኩሎም ነጋድያን ተስፋን ሕውነትን” ሓንጎፋይ ቢላ ኣብ ምንጋድ ትርከብ እንክብሉ ሓጎሶም ከም ዝገለፍጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ፡ መሰረት ሕውነት ደቂ ሰባት

ግን፡ ሕውነት ደቂ ሰባት ጭርሖ ጥራይ ድዩ ወይስ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ዝቖመ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥

ነዚ ሕቶ እዚ ድማ ማርያም “ቅድስቲ እመ ኣምላኽ. . . ናብ ኢየሱስ ብምምራሕ . . .  ምኽንያት “ተስፋ ሕውነታዊ ዓለም . . . "ኵላትና ኸምቲ ዝኾንናዮ ደቂ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ስለዚ ኸኣ ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ኽንከውን እቲ እተሰግወ በቲ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ዝተላእከ ወልደ እግዚኣብሔር . . . ኢየሱስ  ምዃኑ ብምሕባር መልሲ ትህበና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብምኽንያት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝተዛዘሙ ብዙሕ ዕዮታት ኣድኒቖም፥ እቲ “ወሳኒ ስፍራ” ኣብ ነፍሲ ወከፍና ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ፡ ማለት ነፍሲ ወከፍና ብእግዚኣብሔር ክልወጥ ንምፍቃድ እንሰርሓሉ ቦታ እዩ። “እቲ ከም ወድን ጓልን እግዚኣብሔር ዘይበቅዕ . . . ንምእላይን ኣብኡ ድማ ንነብሰይ፡ መዓልታዊ፡ ንብጻየይ ከም ሓውን ሓፍትን ኮይነ ንኽነብር ዝጽዕረሉ” ስፍራ ክኸውን መታን . . . ቢሎም “ማርያም ቅድስቲ ኣዴና፣ ከም ነጋድያን ተስፋ፣ ኣብ መንገዲ ሕውነት ብሓባር ክንመላለስ ትደግፈና” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2025, 15:41