ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንኢየሱስ ከም ጓሶትን ሰብኣሰገልን ንደልዮን ነለልዮን!

ዕለት 6 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት በዓለ ኣስተርዮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ንኢየሱስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ከመይ ጌርና ከም እንቕበሎን "ንጓሶትን ንሰብኣሰገል ብምምሳል፡ ንኢየሱስ ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ድኻታት፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባን፡ ኣብ ዝተናዕቁ ዝተጠንጠኑን ኣሕዋትና ኣሓትናን ከነለልዮን መታን" ክንጽሊ ይምዕደና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለት 6 ሰኑይ በዓለ ኣስተርዮ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 2, 1 – 12 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም እንከስተንትኑ፥ ኣብቲ ምንባብ ርሕቀትን ቅርበት ምህላዉ ኣብቲ ትረኻ ብኸመይ ኣብ ተግባር ከም ዝኣቱ ኣመላኺቶም፥ ንልደት ኢየሱስ ዝቕበሉ ሰባት፡ ከምቶም ንዕኡ ክርእዩ ብታህኽ ዝተጓዩ ጓሶት ወይ ካብ ርሑቕ ዝተጓዕዙ ሰብኣሰገል፡ ቅርበት ዘብርህ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ቀረባ ክነሶም ርሒቖም ዝነበሩ ተቐማጦ ኢየሩሳሌም ንመሲሕ ዝምልከት ዝርዝር ነገራት እኳ እንተፈለጡ፡ ብኣካል ዝቐረቡ ግን፡ ዘይደለይዎ ናይ ቀረባ ርሑቕ ምዃኖም ዘነጽር እዩ፥

“ንጓሶትን ንሰብኣሰገልን ብምምሳል፡ ኣብ ቅርበት፥ እዚ ኸኣ ኣብ ድኻታት፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባን፡ ኣብ ዝተናዕቁን ዝተጠንጠኑን፡ ኣብ ሓውና፡ ኣብ ሓፍትና ንኢየሱስ ምእንቲ ከነለልዮ ድንግል ማርያም ክትሕግዘና ኣማላድነታ ንለምን”

እቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኣሰገል

ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "እዞም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ለባማት ሰብ ጥበብ ንኢየሱስ ክረኽብዎ ክመጹ እንከለዉ፡ እቶም ኣብ ቅርበት ዝነበሩ ግን ናብቲ ኣብ ቤተልሄም ዝርከብ መብልዕ ማል ገጾም ንኸብሉ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰዱን"፥ ሰብዓ ሰገል ነቲ ኣብ መገሻኦም ዝገብርዎ ዓቢ ወጻኢታት፡ ዝተጠቀምሉ ግዜ ኣስተውዒሎም ነዚ ኹሉ ዓቢይ ግምት ከይሃቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ብዙሕ ሓደጋታትን ዘይርጉጽነትን ከይፈርሑ ዝተጓዕዙ እያቶም እንክብሉ ገሊጾም፥

“እንተኾነ ድማ ንንጉስ መሲሕ ንምርኣይ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ከጋጥሞም ዝኽሉ ኩሉ ጸገም ይብድሁ፣ ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ፍሉይ ነገር ይፍጸም ከምዘሎ ስለዝፈልጡ፣ ነቲ ፍጻመ ክሓልፍዎን ሸለል ክብልዎን ኣይደልዩን። ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝስምዖም ዝነበረ ምትብዓት ይስዕቡ”

ብኣንጻሩ እቶም ምስ መሲሕ ቅርበት ዝነበሮም "ዝለዓለ ሕጉሳት ክኾኑ እናተገበኦም ዘይወጹን ናብ ዘይብሉን በቲ ዘለዎም ዕጉባት ኮይኑ ይስምዖም፡ ስለ ዝነበረ ድማ "ከምዘለውዎ ካብ እየሩሳሌም ናብ ቤተ - ልሔም ንኽጓዓዙን ካብ ክውንነቶም ክወጹን ዘይደልዩ ኮይኖም እዮም ዝተረኽቡ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣንሕና ኣበይ ኣለና?

ቅዱስነቶም እዚ ኣተሓሳስባታት ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት እውን ከምዝምልከት ብምግላጽ ኣበየናይ ጉጅለ ኢና ዘሎና ኢልና ንነብስና ክንሓትት ዓዲሞም። ዝያዳ ነቶም ንኢየሱስ ዝደልይዎን ዝበጽሕዎን ዘለልይዎን ጓሶትን ሰብኣሰገልን ዲና ንመስል? ወይስ፡ ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ኣብ መንጎና ንህላወኡ ልብና ዝተዓጽወን ኣልቦ ስሚዒት ዲና? እንክብሉ ኩሉ ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ ሓቲቶም፥ ከምቲ ጎይታ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንንኣሽቱ ኣሕዋትኩም ዝገበርኩምሎም ኩሉ ንዓይ ከም ዝገበርክምዎ እዩ” ዝበሎ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ብሓባር መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 January 2025, 15:40