ድለ

2025.01.01 cardinale Amato 2025.01.01 cardinale Amato 

ር. ሊ. ጳ.፣ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ንወንጌል ዘወፈይዎ "ልግሲ ዝመልኦ ኣገልግሎት" ይዝክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንወንጌልን ንቤተ-ክርስትያንን ኣብ ምግልጋል "ክህነታዊ መንፈስን" ከምኡውን "ሥነ-መለኮታዊ ድልዉነትን" ብምውፋይ ንዝተጋደሉ ሳሌዥያዊ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ብምዝካር ብምኽንያት ዕረፍቶም ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ሳሌዥያዊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ኣብ ኣገልገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዝጸንሑ፣ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ናይ ሕዘን መልእኽቲ ቴለግራም ነቲ ዘወፈይዎ "ክህነታዊ መንፈስን ከምኡ ውን ሥነ መለኮታዊ ድልዉነቶምን" ዘከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣምላኽ ምስጋናኦም ብምቕራብ "እዚ መንፈሳዊ ውሉድ ቅዱስ ጆን ቦሶ ዝሃቦ ሃናጺ ምስክርነት" ብምባል ጸሓፉ።

ትጉህን ንቑሕን ኣገልጋሊ

ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ብዕለት 31 ታሕሳስ ኣብ መበል 86 ዕድሚኦም ናብ ዘልዓለማዊ ቤቶም ተሰጋገሩ ። ካርዲና ኣማቶ ብ1967 ዓ.ም. ክህነት ድሕሪ ምቕባሎም ኣብ ማሕበር ሳሌዥያውያን ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት መሪሕነት ኣገልገሉ ። ብ2002 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኰይኖም ተሸሙ ፣ ጸኒሖም ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ክኾኑ ተመዙ ። እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ብ2010 ንብፁዕ ኣቡነ ኣማቶ ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ኣደየብዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ምኽትል ጠቕላሊ ሓለቃ ማሕበር ሳሌዥያውያን ዝጸሓፍዎ  ምስ ኣባላት እዚ ማሕበርን ቤተሰብ ካርዲናል ኣማቶን ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣረጋገጸሎም ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ንነፍሲ ናይቲ ጭርሖኡ 'ጸጋይ ይኣኽለካ' ዝብል ዝነበረ እሙንን  ሕያዋይን ንቑሕን ኣገልጋሊ ኣብተን  ስቓይ ዝመልአን ናይ መወዳእታ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ንርእሱ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘወፈዩ ኢዩ።"

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም "ብቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብሓገዝ ክርስትያን ምእመና ቅዱሳንን ብፁዓንን ተሰንዩ ናብ ክብሪ እቲ መሰውኢ ከም ዝቐርብ ኣብ ዘለኣለማዊ ጽንብል መርዓ ሰማይ ከም ዝሳተፍ እምንቶ ኣሎኒ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣብ ሥርዓት ቀብሮም ክርከቡ ኢዮም

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ናይ ብፁእ ካርዲናል ኣማቶ ሥርዓተ ቀብሪ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 2 ጥሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተፈጺሙ ኣሎ ።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ መወዳእቲ ክፍሊ ሥርዓተ ቀብሪ መሪሖም ቃል ስንብትን ምስጋንን ኣስሚዖም።

02 January 2025, 15:53