መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝውክሉ መዓልታት ኢዮቤል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑን በቲ መግለጺ መሰረት ንዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓንን ሓይሊ ጸጥታን ዝውክል መዓልቲ ኢዮቤል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።
ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሙያን ጋዜጠይናታትን ዝውክል ኢዮቤል ካብ 24-26 ጥሪ ዝካየድ ኮይኑ፡ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ ሰንበት ቃል ኣምላኽን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ዝውከል መዓልቲ ኢዮቤል ዕለት 9 ለካቲት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። እቲ ቅዱስነቶም ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጸም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ስርዓተ ኣምልኾታት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ክመርሑን ነቲ ንሓደ ሰሙን ዝካየድ ዓመታዊ ጸሎት መእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ከዛዝሙን ከም ዝኾኑን ዕለት 1 ለካቲት ድማ ብምኽንያት ዕለት 2 ለካቲት ዝበዓል በዓለ ወፍያ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕድስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ጸሎተ ዘስርክ ክመርሑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።