ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ጸሎተ ንዋም ብቋንቋ ላቲን
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ 'ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ቦምባ' ደው ክብል ጸዊዖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ 'ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ቦምባ' ደው ክብል ጸዊዖም  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ 'ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ቦምባ' ደው ክብል ጸዊዖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብንሰኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት፣ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ነድሪ ሰናቡእን ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሕክምና ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሒሽዎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተመልስሉ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ፣ ኣብ ቓዛን ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ዞባታትን ኵሉ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም ብምሕዳስ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ካውካዙስ ናብ ዘተ ገጹ ዝመርሕ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ጻዕርታት የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብቲ ንሓሙሽተ ሰሙን ኣብ ሕክምና ካብ ዝጸንሕሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ቅድሚ ምፍናዎም ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ቤት ሕክምና ካብ ዝርከብ ሰገነት ንፈለማ ግዜ ተቐልቂሎም ነቶም ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ቅርዓት ዝነበሩ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ምመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም ከም ዝባረኹን፣ ቅዱስነቶም ንዕለቱ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ሕክምና እንከለዉ ዝግበርዎ ዝነበረ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ኣምሕተምን ቤት ጽሕፈት ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንሰላም

ቅዱስነቶም ህልው ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ከምቲ ደጋጊሞም ኣጽዋር ሱቕ ክብል ዘተ ክተባባዕ ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምቕራብ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብሳዕቤን ኩናትን ግጭት ንዘይተኣደነ ስቓይ ዝተቓልዑ ሕዝብታት ብምዝካር ጻውዒት ሰላም ከም ዘቝረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ጻውዒት ሰላም ኣብ ቓዛ

ቅዱስ ኣቦና ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ቅድሚ ምፍናዎም ሓሳቦም ብቐጥታ ናብቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ፍልስጥኤም ብምግባር፣ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንቡዙሓት ሞትን መጉዳእትን ዘስዕብ ዘሎ ከቢድ ደብዳብ እስራኤል ዳግማይ ምጅማሩ ዘሕድረሎም ሓዘን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዘርገሐ ዘሰናደውዎ ናይ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስዒቦም፣ ኣጽዋር ክዕበስ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙን ምሩኻትን ብሰላም ናጻ ክልቐቑ ዘብቅዕን ነቲ ናይቲ ከባቢ ግጭት ደው ክብልን ዝሕግዝ ዘተ ናይ ምብጋስ ትብዓት ክህሉ ጻውዒት እንከቕርቡ፣

“ኣጽዋር ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ከምኡ’ውን ዘተ ዳግማይ ክጅመር ትብዓት ክህሉ፣ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ኣብ መወዳእታ ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ክብጻሕን እጽውዕ”

ቢሎም ፣ ነቲ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘሎ “ኣዝዩ ከቢድ” ሰብኣዊ ቅልውላው ብምጉላሕ፣ ካብ ተዋሳእቲ እቲ ግጭትን ማሕበረሰብ ዓለምን ህጹጽ ተወፋይነት ክህሉ ድማ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና ምእንቲ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ናብ ሰላም ዝወስድ ስጉምትታት

ማዕረ ማዕሪኡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ናብ ስምምዕ ዝመርሕ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ “ካልኦት ግርጭታት እውን፣ ብዘተን ብሰናይ ድሌትን ዝፍታሕ መንገዲ ክረኽቡ ምልክት ተስፋ ክኸውን” እጽሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ወንጌል ትዕግስቲ
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 13፥ 1 – 9  ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፣ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምስሊ እታ መኻን ማለት ፍረ ዘይትህብ ኦም በለስ ዝዛረብ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ፍረ ከም እተፍሪ ተስፋ ብምግባር ዘይተቖረጸት መኻን ኦም በለስ ድማ ምልክት ትዕግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ትዕግስቲ እዚ ድማ ቅዱሰንቶም ምስ ኩነታት ፍጥረት ሰብ ብምትሕሓዝ፣ ኣምላኽ ንደቅሰብ ብምሕረት ብጽንዓት ከምኡውን ፈጺሙ ብዘደክም ፍቕሪ ዝጥምቶ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። በዚ መሰረት ድማ "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽንኩርን ስግኣትን ተመሳሳሊ እዋንን ትዕግስቲ ኸነማዕብል ንጽዋዕ" ቢሎም፣ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዝዛሞም፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ኣብ መንገዲ ሰላም ክተሰንይ ተማሕጺኖም፣ ዳግማይ ኣብ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እምነቶም ኣንቢሮም፣

“ብፍላይ ምእንቲ እተን ኣብ ስቓይ ዝርከባ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ሊባኖስ፣ ሚያንማር፣ ሱዳን፣ ከምኡውን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ስቓይ ዝርከባ ሃገራት ኵለን” ስላም ክወርድ ንጸሊ፣

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጽቡቅ ትምኒት

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነቶም ብጸሎቶም ዘሰነይዎም እናሓሰቡ፣ “ቅርበትኩምን ጸሎትምን ይስመዓኒ” ቢሎም፣ ነቶም ምእመናን ንዝገበሩሎም ደገፍ ኣመስጊኖም፣ “ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ምዃንኩም ድማ ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 Mar 2025, 16:44
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031