ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ 'ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ቦምባ' ደው ክብል ጸዊዖም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብቲ ንሓሙሽተ ሰሙን ኣብ ሕክምና ካብ ዝጸንሕሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ቅድሚ ምፍናዎም ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ቤት ሕክምና ካብ ዝርከብ ሰገነት ንፈለማ ግዜ ተቐልቂሎም ነቶም ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ቅርዓት ዝነበሩ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ምመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም ከም ዝባረኹን፣ ቅዱስነቶም ንዕለቱ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ሕክምና እንከለዉ ዝግበርዎ ዝነበረ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ኣምሕተምን ቤት ጽሕፈት ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ንሰላም
ቅዱስነቶም ህልው ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ከምቲ ደጋጊሞም ኣጽዋር ሱቕ ክብል ዘተ ክተባባዕ ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምቕራብ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብሳዕቤን ኩናትን ግጭት ንዘይተኣደነ ስቓይ ዝተቓልዑ ሕዝብታት ብምዝካር ጻውዒት ሰላም ከም ዘቝረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ጻውዒት ሰላም ኣብ ቓዛ
ቅዱስ ኣቦና ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ቅድሚ ምፍናዎም ሓሳቦም ብቐጥታ ናብቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ፍልስጥኤም ብምግባር፣ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንቡዙሓት ሞትን መጉዳእትን ዘስዕብ ዘሎ ከቢድ ደብዳብ እስራኤል ዳግማይ ምጅማሩ ዘሕድረሎም ሓዘን ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝተዘርገሐ ዘሰናደውዎ ናይ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስዒቦም፣ ኣጽዋር ክዕበስ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙን ምሩኻትን ብሰላም ናጻ ክልቐቑ ዘብቅዕን ነቲ ናይቲ ከባቢ ግጭት ደው ክብልን ዝሕግዝ ዘተ ናይ ምብጋስ ትብዓት ክህሉ ጻውዒት እንከቕርቡ፣
“ኣጽዋር ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ከምኡ’ውን ዘተ ዳግማይ ክጅመር ትብዓት ክህሉ፣ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ኣብ መወዳእታ ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ክብጻሕን እጽውዕ”
ቢሎም ፣ ነቲ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘሎ “ኣዝዩ ከቢድ” ሰብኣዊ ቅልውላው ብምጉላሕ፣ ካብ ተዋሳእቲ እቲ ግጭትን ማሕበረሰብ ዓለምን ህጹጽ ተወፋይነት ክህሉ ድማ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስጋና ምእንቲ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ናብ ሰላም ዝወስድ ስጉምትታት
ማዕረ ማዕሪኡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ናብ ስምምዕ ዝመርሕ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ “ካልኦት ግርጭታት እውን፣ ብዘተን ብሰናይ ድሌትን ዝፍታሕ መንገዲ ክረኽቡ ምልክት ተስፋ ክኸውን” እጽሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ወንጌል ትዕግስቲ
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 13፥ 1 – 9 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፣ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምስሊ እታ መኻን ማለት ፍረ ዘይትህብ ኦም በለስ ዝዛረብ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ፍረ ከም እተፍሪ ተስፋ ብምግባር ዘይተቖረጸት መኻን ኦም በለስ ድማ ምልክት ትዕግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ትዕግስቲ እዚ ድማ ቅዱሰንቶም ምስ ኩነታት ፍጥረት ሰብ ብምትሕሓዝ፣ ኣምላኽ ንደቅሰብ ብምሕረት ብጽንዓት ከምኡውን ፈጺሙ ብዘደክም ፍቕሪ ዝጥምቶ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። በዚ መሰረት ድማ "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽንኩርን ስግኣትን ተመሳሳሊ እዋንን ትዕግስቲ ኸነማዕብል ንጽዋዕ" ቢሎም፣ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዝዛሞም፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ኣብ መንገዲ ሰላም ክተሰንይ ተማሕጺኖም፣ ዳግማይ ኣብ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እምነቶም ኣንቢሮም፣
“ብፍላይ ምእንቲ እተን ኣብ ስቓይ ዝርከባ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ሊባኖስ፣ ሚያንማር፣ ሱዳን፣ ከምኡውን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ስቓይ ዝርከባ ሃገራት ኵለን” ስላም ክወርድ ንጸሊ፣
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጽቡቅ ትምኒት
ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነቶም ብጸሎቶም ዘሰነይዎም እናሓሰቡ፣ “ቅርበትኩምን ጸሎትምን ይስመዓኒ” ቢሎም፣ ነቶም ምእመናን ንዝገበሩሎም ደገፍ ኣመስጊኖም፣ “ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ምዃንኩም ድማ ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።