ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Il Pipistrello, Quadriglia
መርሓ ግብሪ ፈነወ
Giubileo, in un mese gi� 1 milione di pellegrini in Porta Santa Giubileo, in un mese gi� 1 milione di pellegrini in Porta Santa  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ንነግስድያን ሃገረ ቸክ፦ ንእምነት ብሓጐስ ከነካፍላ ኢዩ ዘሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንንግደት ዓመት ኢዮቤል ናብ ሮሜ ዝመሱ ነጋድያን ሃገረ ቸክ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን ከኣ ኣስኣሰር ቅዱሳን ብምስዓብ ንኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ክቕጽሉ ተማሕጸንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብዘንኪ ዘጓነፎም ጥዕናዊ ጸገማት የዕርፉ ብምህላዎም፣ ነቶም ንኢዮቤል ተስፋ ንግደት ንምፍጻም ካብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ቸክ ናብ ከተማ ሮማ ዚመጹ ብኣማኢት ዚቝጸሩ ነጋድያን ብመንፈስ ምስኡም ከም ዝሓብሩ ኣመልከቱሎም።

ኣብታ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 29 መጋቢት ዝተመሓላለፈት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቶም ነጋድያን ምእንቲ ጥዕና ቅዱስንቶም ስለ ዝጸለዩ ውን ኣመስገንዎም ፣ ምስኣታቶም ብኣካል ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም ድማ ዝተሰምዖም ጣዕሳ ገለጹሎም ።

ቅዱስነቶም ድማ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉሎም - "ኣብዚ ንግደትኩም ንእምነትኩም ከተሐድሱ፣ ምስቶም ተካኢ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሎኩም ርክብ ከተደልድሉ ከምኡውን ነቲ ወትሩ ምሳና ዝጕዓዝ ኣብ ፈተናና ዚድግፈናን ኣምላኽ መሰኻኽር ሰላሙን ፍቕሩን ክንከውን ዚጽውዓናን ጐይታ ኸም እትስዕቡ ብታሕጓስ ክትምስክሩ ኸም እትብህጉ ዜርኢ ጭቡጥ ምልክት እዩ" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ሃገረ ቸክ ዝመጹ ነጋድያን፣ ከም ቅዱስ ኣዳልበርትን ቅዱስ ቄርሎስን ከምኡውን ከም ቅዱስ ሜቶዲዮስ ዝኣመሰሉ ኣብ ሃገሮም እምነት ዝሰበኹ ሰባት ከስተንትኑ ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

"እቶም ኣብ ኣምላኽ ዝውከሉ ኣብ ከም ስደት ዝኣመሰለ ፈተና እውን ከይተረፈ ፈጺሞም ተስፋ ከም ዘይቆረጹ ህይወቶም ኢዩ ዘርኢ" በሉ።

ተልእኾኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይከኣል ይመስል ምንባሩ ብምዝካር ድማ፣ እንተዀነ ግን ብትብዓትን ብትዕግስትን ብርሃን ወንጌል ከም ዘበሰሩ ኣስተንተኑ ።

"ክርስትያናዊ ተልእኾ ኣብ ዚርአ ውጽኢት ዘይኰነስ ንኣምላኽ ኣብ ዘሎና ተኣማንነት እተመርኰሰ ምዃኑ ኣብነቶም ይምህረና እዩ" ውን በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ክርስትያን ምእመናን ንወንጌል ብፍቕርን ብብልሓትን ክዘርኡ ተጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ዕዮና ንጐይታ ብሕድሪ ብምውፋይ ኣምላኽ ንጻዕርታትና ኸም ዜብዝሖን ክንግምቶ ብዘይክእል መገዲ ኸም ዜፍርዮን ንፈልጥ ኢና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ነጋድያን ሃገረ ቸክ፣ ብኡንብኡ ውጽኢት ክንርኢ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ይዓዪ ስለ ዘሎ "ፈጺሞም ተስፋኦም ከየዕርቡ" ብምትብባዕ መልእኽቶም  ዛዘሙ።

"ንሓድሕድና ንደጋገፍ፣ ኣብታ ሓድነት ኣዝዩ ዘድልያ ዘሎ ዓለምና፣ አረ እኳ ደአ ኣብ ኣውሮጳ እውን ከይተረፈ ብህይወትና ናይ ሰላምን ተስፋን መሰኻኽር ንኹን" በሉ። "እምነትና ንዓና ጥራይ ዘይኰነስ ብሓጐስ ክንካፈሎ ዝተዋህበና ውህበት ኢዩ።"

31 Mar 2025, 14:31
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031