ር. ሊ. ጳ. ንነግስድያን ሃገረ ቸክ፦ ንእምነት ብሓጐስ ከነካፍላ ኢዩ ዘሎና
ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብዘንኪ ዘጓነፎም ጥዕናዊ ጸገማት የዕርፉ ብምህላዎም፣ ነቶም ንኢዮቤል ተስፋ ንግደት ንምፍጻም ካብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ቸክ ናብ ከተማ ሮማ ዚመጹ ብኣማኢት ዚቝጸሩ ነጋድያን ብመንፈስ ምስኡም ከም ዝሓብሩ ኣመልከቱሎም።
ኣብታ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 29 መጋቢት ዝተመሓላለፈት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቶም ነጋድያን ምእንቲ ጥዕና ቅዱስንቶም ስለ ዝጸለዩ ውን ኣመስገንዎም ፣ ምስኣታቶም ብኣካል ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም ድማ ዝተሰምዖም ጣዕሳ ገለጹሎም ።
ቅዱስነቶም ድማ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉሎም - "ኣብዚ ንግደትኩም ንእምነትኩም ከተሐድሱ፣ ምስቶም ተካኢ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሎኩም ርክብ ከተደልድሉ ከምኡውን ነቲ ወትሩ ምሳና ዝጕዓዝ ኣብ ፈተናና ዚድግፈናን ኣምላኽ መሰኻኽር ሰላሙን ፍቕሩን ክንከውን ዚጽውዓናን ጐይታ ኸም እትስዕቡ ብታሕጓስ ክትምስክሩ ኸም እትብህጉ ዜርኢ ጭቡጥ ምልክት እዩ" በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ሃገረ ቸክ ዝመጹ ነጋድያን፣ ከም ቅዱስ ኣዳልበርትን ቅዱስ ቄርሎስን ከምኡውን ከም ቅዱስ ሜቶዲዮስ ዝኣመሰሉ ኣብ ሃገሮም እምነት ዝሰበኹ ሰባት ከስተንትኑ ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።
"እቶም ኣብ ኣምላኽ ዝውከሉ ኣብ ከም ስደት ዝኣመሰለ ፈተና እውን ከይተረፈ ፈጺሞም ተስፋ ከም ዘይቆረጹ ህይወቶም ኢዩ ዘርኢ" በሉ።
ተልእኾኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይከኣል ይመስል ምንባሩ ብምዝካር ድማ፣ እንተዀነ ግን ብትብዓትን ብትዕግስትን ብርሃን ወንጌል ከም ዘበሰሩ ኣስተንተኑ ።
"ክርስትያናዊ ተልእኾ ኣብ ዚርአ ውጽኢት ዘይኰነስ ንኣምላኽ ኣብ ዘሎና ተኣማንነት እተመርኰሰ ምዃኑ ኣብነቶም ይምህረና እዩ" ውን በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ክርስትያን ምእመናን ንወንጌል ብፍቕርን ብብልሓትን ክዘርኡ ተጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ዕዮና ንጐይታ ብሕድሪ ብምውፋይ ኣምላኽ ንጻዕርታትና ኸም ዜብዝሖን ክንግምቶ ብዘይክእል መገዲ ኸም ዜፍርዮን ንፈልጥ ኢና በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ነጋድያን ሃገረ ቸክ፣ ብኡንብኡ ውጽኢት ክንርኢ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ይዓዪ ስለ ዘሎ "ፈጺሞም ተስፋኦም ከየዕርቡ" ብምትብባዕ መልእኽቶም ዛዘሙ።
"ንሓድሕድና ንደጋገፍ፣ ኣብታ ሓድነት ኣዝዩ ዘድልያ ዘሎ ዓለምና፣ አረ እኳ ደአ ኣብ ኣውሮጳ እውን ከይተረፈ ብህይወትና ናይ ሰላምን ተስፋን መሰኻኽር ንኹን" በሉ። "እምነትና ንዓና ጥራይ ዘይኰነስ ብሓጐስ ክንካፈሎ ዝተዋህበና ውህበት ኢዩ።"