ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2024.03.29 MIssionari misericordia Giardini Vaticani 2024.03.29 MIssionari misericordia Giardini Vaticani 

ር. ሊ. ጳ. ፦ “ልኡኻን ምሕረት ኣባታዊ ፍቕሪ ኣምላኽ ይምስክሩ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሮማ ንግደቶም ንዝፈጸሙ ልኡኻት ምሕረት፣ ኢዮቤላዊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፣ ኣምላኽ ንንብዓትና ብመንፈስ ንስሓን ምሕረትን ከም ዝደርዞ ድማ ኣዘኻኸርዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንንግደት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ኣብ ከተማ ሮሜ ንዝተረኽቡ ልኡኻን ምሕረት ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣምላኽ ነታ እትዓኑ ዘላ ዓለም ዳግም ንምህናጽ ንዝሃቦም ተልእኾ ብጸሎት ከም ዝደገፍዎም ኣረጋገጹሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 29 መጋቢት ዝወጸ መልእኽቲ፣ ስለቲ ኸም ኣናዘዝቲ መጠን ዝገበርዎ ዘለዉ ዕዮ ዘለዎም "ሞሳን ምትብባዕን" ገለጹሎም።

ኣብታ ፍልይቲ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት 2016፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም እዞም ልኡኻን ምሕረት ኑዛዜ እቶም ተነሳሕቲ ኺሰምዑን ነቲ ኣብ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ንሓዋርያዊ ስልጣን ጥራይ እተሓዝአ ሓያሎ ሓጢኣታት ውን ከይትረፈ ክፈትሑ ካብ መላእ ዓለም ንርተዋጹ ካህናት ፍሉይ ተልእኾ ኣወፈዪሎም

ኣብዚ ሕጂ ናብ ከተማ ሮማ ዝገብርዎ ዘለዉ ንግደቶም ድማ ነዞም ልኡኻን ምሕረት ካህናት፣ ንደቂ ሰባት ናይ ተስፋ ምንጪ ኢኹም ክብሉ ብምጽዋዕ፣ ነቲ ሓጢኣት ዜምጽኦ ኸቢድ ጾር ኪጾሩ ኸም ዘለዎም ቅዱስ ኣቦ ኣመልከቱሎም ።

ቅዱስንቶም ኣስዒቦም ኸኣ "ብኣገልግሎትኩም ነቲ ንዅሎም ሰባት ናብ ንስሓ ክምለሱ ዚጽውዑን ወትሩ ብሕድገት ብምሕረትን ዝሕደሱሉ ኣዝዩ ዓብዪ ኣባታዊ ፍቕሪ ኣምላኽ እትምስክሩ ኢኹም" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ናብ ንስሓ ንምምላስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሓጥእ መገዲ ኸም ዝኸፍት ውን ገለጹ ።

"ጐይታ ንብዘሎ ንብዓትና ካብ ኣዒንትና ዚደርዘሉ ኽልተ ሓልዮቱ ንስሓን ምሕረትን ኢዩ" ውን በሉ። "ቤተ-ክርስትያን ንሓጥኣን እትሓቝፈሉ ኣእዳዋ ድማ ኢያተን፣ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞና እንመላለሰለን ኣእጋርና ድማ ኢያተን ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኾም ንልኡኻን ምሕረት "ጽን ኢሎም ኪሰምዑ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉ ድሉዋት ከምኡውን ምስቶም ብንስሓ ህይወቶም ኬሐድሱን ናብ ጐይታ ኺምለሱን ዚደልዩ ከሰንይዎም ክርከቡ" ውን ኣተባብዕዎም።

ወትሩ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ስለ እንኽእል ምሕረት ኣምላኽ ንልብና ይቕይሮ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ከኣ ክትንክፈና ይርከብ ኢዩ ።

"ንማርያም ከም ኣደ ምሕረት ክትሕልወኩም እምሕጸና፣ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎትኩም ድማ ብምሉእ ልበይ እባርኽ" ብምባል መልእኽቶም ደምደመ። "በጃኹም ምእንታይ ምጽላይ ውን ኣይትረስዑ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

31 Mar 2025, 14:28
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031