ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
++ L'umore del Papa � buono, conversa con chi gli � intorno ++ ++ L'umore del Papa � buono, conversa con chi gli � intorno ++  (ANSA)

ኩነታት ጥዕና ር. ሊ. ጳ.፦ ሓፈሻዊ ጥዕና ብእተወሰነ መልክዑ ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ

ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍናንቸስኮ ትማሊ ምሉእ መዓልቲ ነቲ ልዑል መጠን ዋሕዚ ዝለለዎ ናይ ኦክስጅን ናይ ስርዓተ ምስትንፋሕ ሕገዛ ቐጺሎም ወዓሉ። ነቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ኩርያ ሮማና ድማ ብቀጥታዊ መስመር ቪድዮ ተኸታቲሎም፣ ዝተረፈ ግዜኦም ድማ ኣብ ጸሎት ኣሕለፍዎ ቅዱስ ቍርባን እውን ተቐበሉ።

ዜና ቫቲካን

ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረጋእአ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ፣ ሓካይም ግን ጥዕናኦም እተሓላለኸ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እተወሰነ ምምሕያሽ ከም ዝገበሩ የረጋግጹ ኣለዉ። ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምምሕያሽ የርኢ ከም ዘሎ ውን ኣመልኪቱ። ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዛ ዞም ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነቲ ዘለውዎ ኵነታት ጥዕና ኣብ ግምት ብምእታው ሎሚ ምሸት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ክግበር ዝጸንሐ ዝርዝር ሕክምናዊ መግለጺ ግን ኣይወጸን።

ትማሊ ቅዱስ ኣቢና ናብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ብወግዒ እተጸምበሩሉ ዝኽሪ መበል 67 ዓመት ኢዩ ዝነበረ። ትማሊ ንግሆን ድሕሪ ቐትሪን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ጳውሎስ ሻድሻይ ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ኩርያ ሮማና ብቐጥታዊ ናይ ቪድዮ መስመር ተኸታተልዎ። ተሳተፍቲ እቲ ሱባኤ ድማ ምእንቲ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎተ መቑጸርያ ኣዕረጉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሆስፒታል ዚርከብ ናይ ብሕቲ ቤት ጸሎቶም ጽቡቅ ናይ ጸሎት ግዜ ውን ኣሕሊፎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዝኾኑ በጻሕቲ ኣይተቐበሉን፣ የግዳስ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖናንን ከም ክፍሊ ሱባኤኦም ኣብ ግዜ ሓማሞም ውን ከይተረፈ ግዜ ወሲዶም ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ናይ ንግሆ ክፍለ ግዜ እውን ቅዱስ ቍርባን ተቐቢሎም ። ቅዱስ ኣቦና እቲ እተኣዘዘሎም መድሓኒታትን ተራፒን ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ትማሊ ምሉእ መዓልቲ ድማ ብናይ ኣፍንጫ መስመር ዝወሃብ ልዑል መጠን ዋሕዚ ኦክስጅን ዘለዎ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕገዛ ተጌሩሎም ውዒሉ።

ብሎሚ ዕለት 12 መጋቢት ሓካይም ነቲ እተሓላለኸ ሕክምናዊ ዅነታት ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ትወሳኺ ሓብሬታታት ከመሓላልፉ ኢዮም። ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ኩርያ ሮማና እቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣይክመሓላለፍን ኢዩ።

13 Mar 2025, 10:47
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930