ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Vespri in Latino
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ጥዕና ይርከቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ጥዕና ይርከቡ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ጥዕና ይርከቡ

ዕለት 14 ለካቲት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ብዝሓደሮም ነድሪ ጉርጉማ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ናብ ዕለት 10 መጋቢት ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ጽቡቕ ከም ዝደቀሱን፣ ዕለት 11 መጋቢት ንግሆ ከባቢ ሰዓት 08፡00 ካብ ድቃሶም ከም ዝተንስኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምንን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኩነታት ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉን ጽቡቕ ለይቲ ከም ዘሕለፉን ዝወሃቦም ዘሎ ስነ ሕክምናዊ ፍወሳ ኣካሎም ብጽቡቕ ይቕበሎ ከም ዘሎን ስነ ሕክናዊ ኩነታቶም እውን ርጉእ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ብቐረባ ዝከታተልዎም ዘለዉ ሓኻይም፣ ቅዱስነቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ቀጻሊ ምምሕያሽ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኵነታት ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዘርእይዎ ዘለዉ ምምሕያሽ ዝያዳ ተጠናኺሩ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝሃብዎ ጸብጻብ ጥዕናኦም ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፣ "እንተኾነ ግን፣ ስነ ሕክምናዊ ስእሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕጂ እውን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኮይኖም መድሃኒታዊ ስነ ፍወሳ ምቕጻል ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘነጽር ብሩኒ ካብ ሓኻይም ዝተዋህቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ከመላኽት እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ዘሳተፈ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብ ዝምራሕ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ክፍሎም ኮይኖም፣ ብማንዛ - ብኽሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም እተሳተፉ ሓቢሩ፣ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኣስተንትኖ ቃል ኣማልኽ ዓቢይ ጾም ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን ኣብቲ ዝርከብሉ 10 ደርቢ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ናይ ብሕቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከም ዝፈጸሙ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝቐረበ ካልኣይ ኣስተንትኖ ቃል ኣማልኽ እውን ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም እተሳተፉ ገሊጹ።

በብዓመቱ ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፣ ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ተመሪሑ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም ከም ተጀመረን፣ ቅዱስነቶም ኣብዚ መደብ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ብማንዛ - ብኽሱት ምስማዐ ርእየት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ብሩኒ ገሊጹ፣ ዕለት 10 መጋቢት ቅዱስነቶም ብምኽንያት ኣብ ኣርጀንቲና ወደባዊት ከተማ ባህያ ብላንካ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ስዒቡ ዝወረደ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ

ምኽንያት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

11 Mar 2025, 16:20
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930