ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀጻሊ ምምሕያሽ ጥዕና ይርከቡ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኩነታት ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእይ ምህላዉን ጽቡቕ ለይቲ ከም ዘሕለፉን ዝወሃቦም ዘሎ ስነ ሕክምናዊ ፍወሳ ኣካሎም ብጽቡቕ ይቕበሎ ከም ዘሎን ስነ ሕክናዊ ኩነታቶም እውን ርጉእ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ብቐረባ ዝከታተልዎም ዘለዉ ሓኻይም፣ ቅዱስነቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ቀጻሊ ምምሕያሽ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኵነታት ጥዕናኦም ርጉእ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዘርእይዎ ዘለዉ ምምሕያሽ ዝያዳ ተጠናኺሩ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝሃብዎ ጸብጻብ ጥዕናኦም ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፣ "እንተኾነ ግን፣ ስነ ሕክምናዊ ስእሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕጂ እውን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኮይኖም መድሃኒታዊ ስነ ፍወሳ ምቕጻል ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘነጽር ብሩኒ ካብ ሓኻይም ዝተዋህቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ከመላኽት እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ዘሳተፈ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብ ዝምራሕ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ክፍሎም ኮይኖም፣ ብማንዛ - ብኽሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም እተሳተፉ ሓቢሩ፣ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኣስተንትኖ ቃል ኣማልኽ ዓቢይ ጾም ቅዱስ ቁርባን ከም እተቐበሉን ኣብቲ ዝርከብሉ 10 ደርቢ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ናይ ብሕቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከም ዝፈጸሙ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝቐረበ ካልኣይ ኣስተንትኖ ቃል ኣማልኽ እውን ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከም እተሳተፉ ገሊጹ።
በብዓመቱ ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ መንፈሳዊ ሱባኤ ዓቢይ ጾም፣ ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ተመሪሑ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም ከም ተጀመረን፣ ቅዱስነቶም ኣብዚ መደብ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ብማንዛ - ብኽሱት ምስማዐ ርእየት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ብሩኒ ገሊጹ፣ ዕለት 10 መጋቢት ቅዱስነቶም ብምኽንያት ኣብ ኣርጀንቲና ወደባዊት ከተማ ባህያ ብላንካ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ስዒቡ ዝወረደ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ
ምኽንያት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።