ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Cum factus esset
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ምምሕያሽ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምምሕያሽ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ምምሕያሽ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኵነታት ጥዕና ርእሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ እኳ እንተዀነ፣ "ሓካይም ብዛዕባ እቲ ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ዝወጸሉ እዋን ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ከም ዘይሃቡ" ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ዓርቢ ምሸት ዕለት 21 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሸት ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ደገፍ ከም ዘየድለዮም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ፥ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ፣ ብመርውሓ ዝተሰነየ ዝወሃቦም ዘሎ ሓገዝ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስን ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ፍወሳ ከም ዘየድለዮም ድማ ኣፍሊጡ፣ ይኹን እምበር “ካብ ቤት ሕክምና ዝወጽሉ መዓልቲ ብዝምልከት ጥዕናኦም ዝከታተሉ ሓኻይም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ግምት ከም ዘይሃቡ” ኣፍሊጡ።

ዕለት 21 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘይ በጻሕቲ፣ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጸሎትን ሕክምናን ናይ ስራሕ ንጥፈታትን ኣብ ምስላጥን ከም ዝወዓሉን፣ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ቤት ሕክምና ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዞም ዝግበር፣ እቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጹ፣ ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ እንተሃልዩ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ከም ዘመሓላልፎ ኣረጋጊጹ፣ ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ርጉእ ስለ ዝኾነ፣ ብዛዕባ ጥዕንኦም ዝምልከት ዝወሃብ ሓድሽ ሓበሬታ ቅድሚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ከም ዘይከውን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

22 Mar 2025, 16:52
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031