ምምሕያሽ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ዜና ቫቲካን
ዓርቢ ምሸት ዕለት 21 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሸት ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ደገፍ ከም ዘየድለዮም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ፥ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርጉእ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ፣ ብመርውሓ ዝተሰነየ ዝወሃቦም ዘሎ ሓገዝ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስን ልዑል ዋሕዚ ኦክስጅን ፍወሳ ከም ዘየድለዮም ድማ ኣፍሊጡ፣ ይኹን እምበር “ካብ ቤት ሕክምና ዝወጽሉ መዓልቲ ብዝምልከት ጥዕናኦም ዝከታተሉ ሓኻይም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ግምት ከም ዘይሃቡ” ኣፍሊጡ።
ዕለት 21 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘይ በጻሕቲ፣ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጸሎትን ሕክምናን ናይ ስራሕ ንጥፈታትን ኣብ ምስላጥን ከም ዝወዓሉን፣ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ቤት ሕክምና ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዞም ዝግበር፣ እቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጹ፣ ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ እንተሃልዩ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ከም ዘመሓላልፎ ኣረጋጊጹ፣ ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ርጉእ ስለ ዝኾነ፣ ብዛዕባ ጥዕንኦም ዝምልከት ዝወሃብ ሓድሽ ሓበሬታ ቅድሚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ከም ዘይከውን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።