ር. ሊ. ጳ. ንመስርሕ ኣዋጅ ቅድስና ፓፕዋ ኒው ጊንያዊ ብፁዕ ፒተር ቱ ሮት ይኹንታ ሃቡሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምሊ ሰኑይ ዕለት 31 መጋቢት ምስ መስርሕ ኣዋጅ ቅድስትና ብእተተሓሓዘ ዝቕረበሎም ሰነድ ክሕተም ድሕሪ ምፍቃዶም፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ሓጺር እዋናት ሰለስተ ሓደስቲ ቅዱሳንን ብፁዓንን ከምኡውን ሓደሽቲ ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ክትረክብ ኢያ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብኽንያት እምነቱ ሰማእት ዝዀነ ብፁዕ ፒተር ቱ-ሮት ኣዋጅ ቅድስና ይኹንታ ሃቡሉ።
ናይ መጀመርታ ቅዱስ ፓፑዋን ኒው ጊኒ
ብዕለት 5 መጋቢት 1912 እተወልደ ብፁዕ ፒተር ቱ-ሮት ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ተኾስኲሱ ብምዕባይ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኰነ፣ ኣብ ህይወቱ ድማ ናይ ግብረ- ሰናይን ኣገልግሎት ብትሕትናን ብተወፋይነትን ንድኻታትን ዘኽታማትን የውፊ ዝነበረ ኢዩ።
ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጃፓናውያን ንፓፕዋ ኒው ጊኒ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ኣብ ኩሎም ልኡካነ ወንጌል እተኣስሩሉ ግዜ ንሕጹያ ምስጢረ ተኽሊል ንኽቕበሉ ኣብ ምስንዳው ይቕጽል ነበረ። እዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ድሕሪ ምኽልካሉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእትዋ ኸም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝፈለጠ ነዚ ኣገልግሎቱ ብሕቡእ ከከይዶ ጀመረ።
ብዛዕባ ቅድስና ኪዳናዊ ሕይወት ጽኑዕ ጠበቓ ብምንባሩ፣ ንድርብ መውስቦ ምግባር ይቃወም ነበረ፣ ነቲ ኻልኣይ ሰበይቲ የእትዩ ዝነበረ ዓብዪ ሓዉ እውን ከይተረፈ ክቅወሞ ተረኽበ። እዚ ሓው እዚ ድማ ብዛዕባ ብፁዕ ፒተር ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቡ ንኽልተ ወርሒ ክእሰር ተፈርዶ ኣብ ሓምለ 1945 ድማ ተመሪዙ ሞተ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕለት 17 ጥሪ 1995 ኣብ ፖርት ሞረስቢ ንኣዋጅ ብፅዕና ፒተር ኣካየዱ ።
ኣርመንያ ሊቀ-ጳጳሳት ኣብ እዋን ጃምላዊ ህልቂት ሰማእት ዝኾኑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቶም ብ1869 ኣብ ማርዲን ቱርኪ እተወልዱ ብፁዕ ኢግናቲዩስ ቹካራላ ማሎያን ዝቐረበሎም ሰነድ ኣዋጅ ቅድስና ኣጽዲቖም።
ብ1883 ኣብ ሊባኖስ ክህነት እንክቕብሉ ኢግናቲዩስ ዝብል ክርስትያናዊ ስም ተዋህቦም፣ ኣብ ኣገልግሎት ምእመናን ከምኡውን ኣብ ኣለክሳንድርያ ግብጺ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምጽናዕ ብተወፋይነት ኣገልገሉ ኣባኡ ውን ቋንቋታት ዓረብን ብቱርክን ብምጽናዕ ብሉጽ ሰባኺ ዀኑ።
ብ1911 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ ዓስራይ ኣብቲ ኣብ ሮማ እተገብረ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣርመንያ ሊቀ-ጳጳሳት ኤጳርቅና ማድሪን ሸምዎም፣ እዚ ድማ ድሕሪቲ መንእሰያት ቱርካውያን ዘካየድዎ ምንቅስቓሳት ብምርማር ዝተገብረ ኢዩ ዝተኻየደ ውሳኔ ኢዩ ዝነበረ።
ሓይልታት ቱርኪ ናብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምስታፎም፣ ሊቀ-ጳጳሳት ማሎያን ምስ 13 ኻህናትን 600 ኻልኦት ክርስትያን ምእመናንን ኣብቲ ንክርስትያን ብፍላይ ከኣ ንኣርመናውያን ክርስትያናት ምግዳድንን ምሽጋርን ዜጠቓልል ብዝተላዕለ ናዕቢ ተኣስሩ።
ሊቀ-ጳጳሳት ማሎያን ምስ ብጾቶም ብዕለት 3 ሰነ 1915 ድሕሪ ክሕነት እምነቶም ምእባዮም ተቐትሉ። ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2001 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድማ ብፅዕናኦም ኣወጁ።
ናይ መጀመርታ ቨነዝወላዊት ቅድስቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዕለት 11 ነሓሰ 1903 ኣብ ካርመን ኢለና ረንዴልስ ማርቲነዝ ተወልደት ብፅዕቲ ማሪያ ደል ሞንቴ ካርሜሎ ብኣማላድነት ንእተፈጸመ ተኣምር ብምቕባል ቬንዝዌላዊት በዅሪ ቅድስቲ ንኽትከውን ፈቒዶም።
ብ1927 ምስ ናብ ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ ተጸምበረት፣ ብ1946 ድማ ምስ ካልኦት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝነበራ ኣሓት ደናግል ብጾታ ሓቢራ ማሕበር ኣገልገልቲ ኢየሱስ መስረተት።
ነተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወታ ኣብ ብሽክሌታ ስንኩላን ብምሕላፍ ብ1974 ብሓደ ዘጋጠማ ሓደጋ ማኪና ብዕለት 9 ግንቦት 1977 ናብ ዘልዓለማዊ ቤታ ገዓዘት።
እቲ ብኣማላድነታ እተፈጸመ ተኣምር ብ2015 ንሓንቲ ብሕማም መንሽሮ እትሳቐ ዝበረት ሕማም ልቢ ውን እተወሰኻ መንእሰይ ምሕዋይ ዜጠቓልል እዩ ዝንበረ።
ተኣምር ሓደ ኢጣልያዊ ካህንን፣ ድጅነት ሓደ ብራዚላዊ ካህንን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዕለት 27 ጥሪ 1876 ኣብ ባሪ እተወልደ ኣባ ካርሜሎ ደ ፓልማ ዝበሃል ኢጣልያዊ ካህን ንእተፈጸመ ተኣምር ኣፍልጦ ብምሃብ ብፅዕናኡ ክእወጅ ሰሚሮም።
ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ክቡር ኣባ ካርሜሎ ደ ፓልማ ፍሉይ መንፈሳውነት በነዲክቲን ተመሲጦም ናይ ንኻህናትን ደናግልን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታትን መንፈሳዊ ኣቦ ኮይኖም ብምግልጋል ገዛእ ርእሶም ወፈዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ተባዕ መናዘዚ" ተባሂሎም ክጽውዑ ኣኽኣሎም።
እቲ ብኣማላድነቶም እተፈጸ ተኣምር ድማ ብ2013 ሓንቲ ብዜማስን እናኸፍአ ዚኸይድ ሕማም እትሳቐ ዝነበረት መነኮስ ድንግል ማሕበር በነዲክቶሳውያን ምሕዋይ ዜጠቓልል እዩ ዝነበረ።
ትማሊ ሰኑይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምኡ ውን ነቲ ሆሴ ኣንቶንዮ ደ ማሪያ ኢብያፒና ዝተሰምየ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝንበረ ብራዚላዊ ፖለቲከኛ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ንዝፈጸሞ ክርስቲያውናዊ ጅግንነት ኣፍልጦ ብምሃብ ብፅዕናኡ ክእወጅ ፈቒዶም።