ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Vivace non troppo
መርሓ ግብሪ ፈነወ

ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ዳግም ነገልግሎት ክኽፈት እዩ

ብምናባዊ ኣገባብ ዝግበር ምብጻሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝበለጸ ክኸውን ዘድሊ ኩሉ ጾዕሪ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም፡ ጭቡጥ ኩነት ካብቲ ምናባዊ ኣቀራርባ ኣዚዩ ፍሉይ እዩ፡ ብምናባዊ ኣገባብ እውን ዝትካእ ኣይኮነን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ምምሕዳር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ዳግማይ ነገልግሎት ክኽፈት ከምዝኾነን ናይቲ መደብ መርሓ ጉደና ኣማእኪሎም ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ኣባይቲ መዘክር ቫቲካን ብቐረባ ተበጻሒ ክትገብሮምን ብምናባዊ ኣገባብ ከተቕርቦምን ናይ ሰማይን ምድርን ርሕቐት እዩ ዘለዎ፥ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ቤተ መዝከርን ባህላዊ ሃብትታቱ ብምናባዊ ኣገባብ ንበጻሕቲ ክፉት ክትገብሮ ንኽውንነት ምቕራብ ክኸውን ኣይክእልን ኢሎም፥ ንኣባይቲ መዘክር ንኽትበጽሕ ምምዝጋብን ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መሸፈኒ ገይርካ ዝፍጸም ምብጻሕ እውን እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ናይ ቫቲካንን ናይ ኢጣሊያን መንግስቲ ዘውጽእዎ ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ድንጋገ መሰረት ገይሩ ዝኽፈትን ነቲ ኣዋጅ ብዘኽብር ኣገባባት ንሓድሽ ኣገልግሎት ክኽፈት ከምዝኾነን ነቲ ህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ግምት ብምእታው በጻሕቲ ከምቲ ቀዳም ሪጋ ሒዝካ ኣብ ኣፈት ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክራት ብምርኻብ ዘይኮነ ኣቐዲሞም ክምዝገቡ ከምዘለዎምን ናይቲ ተህዋስ ናይ ምልባዕ ሓይሊ ንምድራት ከኣ ኩሉ ዘድሊ ኣቀዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ውሳኔ ብዘኽብር ኣገባብ ዘክየድዎ ምብጻሕ እዩ ዝኸውን ንከምዝበሉ ደካርሊስ ሓቢሮም።

ብምናባዊ ኣገባብ ዝግበር ምብጻሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝበለጸ ክኸውን ዘድሊ ኩሉ ጾዕሪ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም፡ ጭቡጥ ኩነት ካብቲ ምናባዊ ኣቀራርባ ኣዚዩ ፍሉይ እዩ፡ ብምናባዊ ኣገባብ እውን ዝትካእ ኣይኮነን፡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ሕመረት ሰብ እዩ፡ በጻሕቲ፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ናይ ባህሊ ሃብትታት ንምድናቕ ቀሪብካ ክትበጽሖን ክትርእዮን ወሳኒ እዩ ምስ በሉ፡ ብማሕበራዊ መረብት ውክልና ክትበጽሖን ባዕልኻ ብቐረባ ክትርእዮን ክትበጽሖን ዝተፈላለየ እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

እቲ ኮቭድ ተህዋስ ንምቁጽጻር ዘድሊ ኹሉ ናይ ቀዲምካ ምጥንቃቕ ውሳኔ ዘተግብር መሳለጢ ተዳልዩ እዩ፡ ንኣብነት በጻሕቲ ቅድሚ ናብቲ ቤት መዘክር ምእታዎም ብርሑቕ ናይ ሰብነት ሙቐት መዓቀንን መጽረዪ ኢድን፡ ኩሉ ኣሰናድዩ እዩ፡ በጻሕቲ ቅድሚ ምእታዎም ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መሸፈኒ ክህልዎም ግንድ ይኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ዳግም ነገልግሎት ክኽፈት እዩ
15 May 2020, 16:14
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930