ምሩጽ ካርዲናል ማርከቶ ኣብ ኣገልግሎት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምሩጽ ካርዲናል ማርከቶ ኣብ ኣገልግሎት ስደተይናታትን ተመዛበልትን  (Medol)

ምሩጽ ካርዲናል ማርከቶ ኣብ ኣገልግሎት ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ፍራንቸስኮ ካብ ቀንዲ ስክፍታታት ብቐዳምነት ጉዳይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ከም ዘዘመላኽትን መብዛሕቲኡ ግዜ፥ “ካብቲ ስቓይን መከራን ዘለሉ ቦታታት ዝሃድሙ ዘጓንፎም ተወሳኺ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ ክትስከሞን ኣብ ሓልዮቶም ክትዋፈር ዝገብሩ እዮም፡ ቤተ ክርስቲያ ወትሩ ኣብ ጉድኒ ተቓላዕቲ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ”

ምርጹ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ንቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት ኣገልግሎት ብተወፋይነት ዘገልገሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 30 መስከረም ካርዲናል ካብ ሰምይዎም ሓደ ከም ዝኾኑን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዊ ብጹዕነቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ምሉእ ዕድመኦም ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ተዋፊሮም ዘገልገሉ ወዲ 83 ዓመት ተንታኒ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ናይቲ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ዝነበረ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ፥ ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል ንኽኾኑ ከም ዝሓረይዎምን እዚ ሕርየት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ሰባት ዘለዋ ሓልዮትን ቅርበትን ዘጉልሕ ከም ዝኾነን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቀንዲ ስክፍታታት ብቐዳምነት ጉዳይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ከም ዘዘመላኽትን መብዛሕቲኡ ግዜ፥ “ካብቲ ስቓይን መከራን ዘለሉ ቦታታት ዝሃድሙ ዘጓንፎም ተወሳኺ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ ክትስከሞን ኣብ ሓልዮቶም ክትዋፈር ዝገብሩ እዮም፡ ቤተ ክርስቲያ ወትሩ ኣብ ጉድኒ ተቓላዕቲ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ” ኢሎም።

ውግእ ድኽህነት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ደሪኽዎም ንስደት ዝዳረጉ ዜጋታት ዓለም፥ ጉዳዮም ክፍታሕ መሰረታዊ ጻዕርና ክኸውን ኣለዎ፥ ሕውነታዊ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ድማ ክትቅበሎም ዘኽእል ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መመሓደሪ ሕግን ስርዓት ድማ የድሊ” ኢሎም።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሲኖዶስን

እቲ ካልእ ሕሩይ ካርዲናል ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘስመሩሉ ሓሳብ ድማ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዕምቆት ክጽናዕን ኣብ ግብሪ ኪትርጎምን ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ኪደት ብዝያዳ ተበራቲዑ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዝብል ኮይኑ፥ “እዚ ጉዳይ እዚ እውን ናይ ምሉእ ህይወተይ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ - ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ርክብን ምትእስሳርን ጳጳሳት ምስ መንበረ ጴጥሮስ - ር.ሊ.ጳጳሳትን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቀዳመነትን ጉባእያውነትን ብትኽኽል ኣነጺርዎ እዩ፡” እቲ ዝቕጽል ዘሎ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቀጻልነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዋላ’ኳ ሕጋዊ ፍልቀት እንተሃለወ ንኢየሱስ ንወንጌል ንስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን - ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘጉልሕ እዩ” ሲኖዳውነት ኣብዚ መሰረታዊ ሓሰብ እዚ ዝቖመ ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

15 July 2023, 16:59