ሲኖዳዊ ጒዕዞ፥ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጀርመናዊ ኤጲስ ቆጶሳትን ዝካየድ ዘተ ይቕጽል ሲኖዳዊ ጒዕዞ፥ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጀርመናዊ ኤጲስ ቆጶሳትን ዝካየድ ዘተ ይቕጽል 

ሲኖዳዊ ጒዕዞ፥ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጀርመናዊ ኤጲስ ቆጶሳትን ዝካየድ ዘተ ይቕጽል

ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ጀርመን ኣቡናትን ወከልቲ ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ሃገር ቫቲካን ከምእተኣከቡ

ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ወከልቲ ኩርያ ሮማናን ጳጳሳት ጀምረንን ዛዕባ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ዘተኮረ ሓድሽ ክሌኣዊ ዘተ ብኣወንታውን ሃናጽን ሃዋሁ ከምዝተኻየደ ድሕር እቲ ዓውደ ዝተ ኣብ ዝተወሃበ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሓበረ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ጀርመን ኣቡናትን ወከልቲ ዕለት 26 ሓምለ ኣብ ሃገር ቫቲካን ከምእተኣከቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዚ ኸኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣቡናት ጀርመን ኣብ ቅድስቲ መንበር ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ዝተበገሰ ዘተ ምዃኑ ኣመልኪቱ፥ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ብፍላይ ኣብ “ጉዕዞ ሲኖዳውነት” ዝተላዕለ ቲዮሎጊያዊ ኮነ ዓውደ ፍልጠታዊ ሕቶታት ተወሳኺ ምይይጥ ክግበረሉ ተሰማሚዑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኣኼባ  - ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ጀርመንን ኣቡናትን ወከልቲ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ - ብእወታውን ሃናጽን ሃዋሁ ምክያዱን ካልእ ቀጻሊ ኣኼባታት ክስዕብ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዕለት 26 ሓምለ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ፥ ካብ ኩርያ ሮማና፥ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ልዊስ ላዳሪያ ፈረር፥ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሓጋግያን ሰነዳት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፊሊፖ ያኖነ፡ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሮበርት ፕረቮስትን ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓተ ኣምልኾን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ቪቶሪዮ ቪዮላ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብወገን ጀርመናዊ ኤጲስ ቆጶሳት ድማ ኣቡናት፥ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ፥ ገዮርግ ባትዚንግ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉዳያት ሊጡርጊያን  ስተፋን ኣከርማን፡፥ ኣቦ መንበር ጉዳያት ጸዋዕታን ኣቅለስያዊ ኣገልግሎትን ሚካኤል ገርበር፡ ሽማግለ ጉዳያት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በርትማን ማየር፡ ሽማግለ ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ኣቦ መንበር ፍራንዝ ጆሰፍ ኦቨርበኽ ከምኡ እውን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ዶክተር በኣተ ጉለስ  ናይቲ ጉባኤ ወሃቢ ቃል ማቲያስ ኮፕ ምንባሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 July 2023, 16:04