2023.06.14 Entrevista con el Embajador de Portugal ante la Santa Sede 2023.06.14 Entrevista con el Embajador de Portugal ante la Santa Sede 

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖርቱጋል ልኡከ መንግስቲ፥ ዓ.ቅ.መ.፥ “ናይ ተስፋ ምልእክት እዩ!”

እቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ፥ ኣብቲ መደብ ልዕሊ 400 ሺሕ መንእሰያት ንኽሳተፉ ከምእትመዝገቡን

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ዝበዓለሉ ዕለት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖርቱጋል ልኡከ መንግስቲ ዶሚንጎስ ፈዛስ ቪታል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ፖርቱጋል ነዚ ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ከተእንግድ፡ ብዓሚቝ ሓላፍነትን ስምዒትን ትቕበሎ፡ ሓላፍነት እውን እዩ” ንመላእ ሃገር ናብቲ ኣህጉራዊ ፍጻመ ዘሰንይ ዘሎ “ዘይተኣደነ ሓጐስ” የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖርቱጋል ልኡከ መንግስቲ ዶሚንጎስ ፈዛስ ቪታል ኣብዘን ናብ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዘሰጋግራ መዓልታት ውዕዉዕ ስምዒት ህዝቢ ሃገሮም ገሊጾም፥ “ፖርቱጋል ብሓፈሻ ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ኩሎም ነዚ በዓል እዚ ይዳለዉ” ከምዘለዉን፥ እቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ፥ ኣብቲ መደብ ልዕሊ 400 ሺሕ መንእሰያት ንኽሳተፉ ከምእትመዝገቡን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ 2022 ዓ.ም. ክካየድ ዝነበሮ ኮይኑ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ናብ 2023 ዓ.ም. ምስግጋሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ፍስሓን ሃላፍነትን

ልኡከ መንግስቲ ፈዛስ ቪታል፥ “ኣገዳስነት ናይዚ ፍሉይ ፍጻመ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሃገሮምን ህዝባን ዓሚቝ ሓላፍነት ይስምዖ፥ ግን ከኣ ምኽንያት ዘይኣተደነ ሓጎስ እውን እዩ”  ቢሎም፥ እዚ ፍጻመ እዚ እውን ንዝሓሸት ዓለም ዝያዳ ፍትሓውን ዘላቕነትን ምልክት ተስፋ እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ናይ ጸሎት ህሞት

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ነቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” ዝብል ካብ ሉቃስ ወንጌል ዝተወስደ መልእኽቲ መርሕ ቃል ክኸውን ዝሓረይዎ “ማርያማዊ መንፈሳውነት ማእከል ዝገበረ ናይ ጸሎት ህሞት እዩ” ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖርቱጋል ክርከቡን ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ክነግዱ እዮም” እዚ ንገዛእ ርእሱ ናይ ጸሎት ህሞት ምእንቲ ሰላም እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥

ሰላም

ኣብ እዋን ኲናትን ግጭታትን ሰላም ዝብል ቃልን - ክውንነትን - ይብሉ ልኡከ መንግስቲ ፈዛስ ቪታል - ፖርቱጋል ንዓለም ዝበለጸ ውሕስነት ሰላም፥ ኵለን ሃገራት ዘጽደቐኦ ሕግታትን ኣብ ነንሕድሕደን ዝኣተወኦ ቃል ኪዳንን ሕቡራት ሃገራት፡ ምክብባር ምዃኑ ትኣምን፡ . . . ስለዚህ ኩላትና ነዚ እንተድኣ ኣኽቢርናዮ ሰላም ክህልወና እዩ” እንክብሉ የረጋግጹ።

ኽፉት ኣተሓሳስባ

ልኡከ መንግስቲ ፖርቱጋል ፈዛስ ቪታል ኣስዒቦም፥ “ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ጽኣት ስደተይናታት ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ግጭታትን ድኽነትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ጥብቂ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ሃገሮም ‘ክፉት ኣተሓሳስባ’ ዘለዋ ምዃኖ ገሊጾም፥ እዚ ክውንነት እዚ እውን ኣብቲ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ተወሳኺ ክብሪ እዩ” ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ “ንመበቆል ሃገራት ‘ስደተይናታት’ ዝያዳ ደገፍ ክግበር ከም ዘለዎ እውን ፖርቱጋል ብኣጽንዖት ትኣምን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 July 2023, 15:33