ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዓቢ ትጽቢት ኣለዎም!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፖርቱጋል ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደትን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዘካይድዎ መደባት ኣናጠመቱ፥ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንመንእሰያት ምስ ኢየሱስ ብቐረባ ንኽራኸቡ ኣገዳሲ ዕድል ዝህብ ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ መካነ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ክነግዱን ምስ ህሙማን ክራኸቡን ስለ ህሙማን ከምኡ እውን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም በማላድነት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ክጽልዩ ምዃኖም ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናብ ሊዝበን ዝጓዓዙ መንእሰያት ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ንፈለማ ግዜ ዘካይድዎ ዘለዉ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ከብዕሉ እዮም። ቅዱስነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ምርኻባት “ህይወት ገለ ሰባት ከይተረፈ ንምቕያር ሓይሊ ከምዘለዎ ብምግንዛብ ናብ ፖርቱጋል ክብገሱ እዮም።”

ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ ዝበሉ ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊዝበን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣማእኪሎም ዕለት 31 ሓምለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዩ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክርከቡ እዮም፥ ነዚ ኣኼባ እዚ ብኸመይ ይዳለዉ ኣለዉ? ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብዙሕ ትጽቢት ኣለዎም፡ ድሮ ኣብ ሓያሎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትታቶም መንእሰያት ኣብዚ ንግደት ክጽንበሩን ነዚ ቤተ ክርስቲያናዊ ፍጻሜ ክዳለዉን ልዕሊ ኩሉ ብጸሎት ክሰናደዉ ዓዲሞም እዮም፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ ቅንያት እዚ ንኹሎም ድሮ ናብ ሊዝበን ዝተበገሱ መንሰያት ይጽልዩ፡ እዚ ኣኼባታት እዚ፥ እዚ ምትእኽኻባት እዚ ንባዕሎም ዓቢይ ሓይሊ ከምዘለዎን። ዋላ እውን ህይወት ገሊኦም ንምልዋጥ ሓይሊ ከምዘለዎ ብምእማንን ብምፍላጥን እዩ። . . . መንእሰያት እዚ እምንቶ እዚ ንኽህልዎም የተባብዑ።”

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝነበሮም ነቢያዊ ገምሪ ዝምጩ እዩ። እዚ ኣኼባ ኣብ 2023 ዓ.ም. እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ብርግጽ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብዘይጥርጥር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ትንቢታዊ ገምሪ እዩ። እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት ከተሰንዮም ወንጌል ከተበስሮም ምስ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ንምምችቻእ ከተሰንዮም ድሌት ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ ዓለም ንኣገልግሎት መንእሰያት ተወፋይነታ እናሐየለት ትኸይድ ከምዘላ  ዘርኢ ምልክት እዩ . . . ምስ ጭንቀትን ስኽፍታታትን መንእሰያት ምስ ተስፋታቶምን ድሌታቶም ምስ ትጽቢታቶም ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩነታቶም ዝተቓነየት ብምዃን እቲ መገዲ ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ትሕብር። ምስኡ ናይ ምርኻብ ኩነታት ትምስክር።

ስለዚ እዚ ትንቢታዊ ገምሪ እዚ ዋላ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዘመን ብኹሉ ተዛማድነቱ ዝገልጽ ኮይኑ ይስምዓኒ። ንኹሉ ተዛማድነቱ ዝዓቀበ እዩ። ምኽንያት ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰያት ወለዶታት ዘለዋ ተወፋይነት ዳግማይ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። ኣብዛ ዓሚቝ ለውጢ ትገብር ዘላ፡ ዘሕዝን ተመክሮ ለበዳ ኮቪድ - 19 ዘሕለፈት ተደራራቢ ግጭታት ዘጋጥማ ዘላን ዓለም፡ ሎሚ ኣብ መላእ መሬት መንእሰያት ምስ ገጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ክራኸቡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ናይ ምድሓን ቃል ንኽፈልጡን ደቀ መዛሙርቱ ንኽኾኑን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ገና ኣገዳሲ መጋበሪያን ኣጋጣሚን ስብከተ ወንጌል ንመንእሰያት ምዃኑ ዘረጋግጽ።

ካብዚ ሓሊፉ እዞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹን ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋን ኣነባብራን ዘለዎም መንእሰያት ንሓድሕዶም ተራኺቦም ተመክሮታቶምን ህያባታቶም ክለዋወጡ ካብ ምኽኣሎም ዝምንጩ ናይ ኵላዊ ሕውነት መዳይ እውን እዩ። ስለዚ እዚ ተመክሮ እዚ ንኣርብዓ ዓመታት ዝቐጸለ ምዃኑን ሎሚ ድማ ኣብ ህይወት መንእሰያት ጽልዋ ከሕድር ዓቢ ዕድል ስለ ዘለዎምን ከነመስግኖም ይግባእ ኢሎም።

ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ካብ መንእሰያት እንታይ ክትመሃር ትኽእል? ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓቢ ብድሆ እምነት ናብ ዓለም ምትሕልላፍ ምዃኑ እኣምን። ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ዕማም ድማ መንእሰያት ዝነግሩና ነገር ከም ዘለዎም እኣምን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘይፈልጥዎ ወይ ምናልባት ዝነጸግዎ ሰባት ብዙሓት እዮም፡ እምነት ኣጥፊኦም ኣምላኽ ከም ዘየለ ገይሮም ዝመላለሱ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እዚ ኣብ መንጎ ወለዶታት ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ዘሎ ምብትታን ወይ ምብትታኽ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ዳርጋ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ ምቑራጽ ክስምዓካን ምስ ካቶሊካዊ ትውፊት ምልላይ ክቋረጽን ብመጠኑ ንቡር ምዃኑ የረድእ። ንደቆም ዘየጠመቑ ከመይ ጌሮም ከም ዝጽልዩ ዘይምህርዎም ወይ ናብ ካልእ ናይ እምነት ማሕበረሰባት ዝኸዱ ወለዲ ቁጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ክንፈልጦን ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግብኣናን ኩነታት፡ ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ሕቶታት ብዙሕ ጥርጣረታትን ብዙሕ መልሲ ክህቡሉ ዘይከኣሎም ብዙሃት ሕቶታትን ዝዕቆቡ መንእሰያት ብቐረባ ዝትንክፍ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓትዎ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ድርኺታ ኣሓዲሳ ብዘይ ፍርሒ ናብቲ ብቅዱስ ኣቦና ኣዚዩ ዝብሃግ ናይ ጉስነትን ወንጌላዊ ተልኾነትን ምልዋጥ መገዲ ክትጅምር እዩ። መሃዛይ ምዃን የድሊ። ንኢየሱስ ክርስቶ ነቶም ናይ ሎሚ መንእሰያት፡ ኣብ ኩሉ ፍሪያቱ ኣብ ኩሉ ኣዋናዊነቱ ብኸምዚ መገዲ ሎሚ መንእሰያት ከይተረፈ ከቕርቦ ዝኽእል ትብዓትን ቅኑዕ ቋንቋን ምርካብ የድሊ። ካብ ናይ ቀደም መዛንኦም ዝተፈለየ ስምዒት ቅዲ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘለዎም ምስኡ ክረኽብዎን ዓሚቝ ተመክሮ እምነት ከነብሩን ይኽእሉ። ካብዚ ዓሚቝ ተመክሮ እምነት ድማ ሽዑ ምስ ኩሎም መዛኑኦም ናይ ምክፋል ድሌት ክውለድ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ውሽጢ መናድቕና ተዓጺና ስቕ ከይንብል ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ናይ ብሓቂ ልኡካነ ወንጌል ክንክነውንን ኣብዚ ናይ እምነት ጉዕዞ ብዝያዳ ክሳተፍዎ ዝቐርብ ዕድመ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ መካነ ንግደት ደብረ ፋጢማ ክነግዱ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምርኻብ መደባቶም ተወሲኹ ኣሎ። እዚ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምብጻሕ እዚ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ቅዱስ ኣቦና ምስ ሕሙማን መንእሰያት ዝራኸብሉን ምስኦም ብሓባር ጸሎት መቑጸርያ መሪሖም ዝጽልዩሉን ኣገዳሲ ምብጻሕ እዩ። ጽዑቕ ህሞት! ር.ሊ.ጳ. ንቅድስቲ ድንግል ማርያን ንሰለስቲኦም ጓሶት ኣብ 1917 ዓ.ም. ተገሊጻ ዝሃበቶ መልእኽቲ ደጊሞም ጸሎት ገይሮም ከቕርብዎ ይደልዩ እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ናታ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ኣብ ውግእ ኣብ እትርከብ ዓለም ተስፋ ዝህብ ቃላት እዩ ነይሩ። ካብዚ ሎሚ እንገጥሞ ዘሎና ክውንነት ብዙሕ ዝተፈልየ ኣኮየነን። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቶም ጓሶት ተገሊጻ ብኣኦም ኣቢላ ድማ ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክጽልዩን ብፍላይ ድማ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ቅዱስ መቝጸርያ ብተኣማንነት ክጽልዩን ትዕድም። እምበኣር ወትሩ መዓት ናይቶም ብግጭት ዝተጎድኡ ኣብ ልቦም ዝስከሙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዚ ኣብ መካነ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ብዝገብርዎ ንግደት ኣቢሎም ልቢ ከይንስእንን ኣብ ጸሎትን ኣብ ፍሉዩ ጸሎት ቅዱስ  መቝጸሪያን ክንጸንዕን ይሓቱና።

ዓለም ተሕልፎ ዘላ ቅልውላው ብዙሕ እዩ፡ ውግእ ድኽነት ሸልልትነት ምጥንጣን ርእሰ ፍትወት ዓለማውነት . . . መንእሰያት ነዚ ብድሆታት ክሰግሩ ይኽእሉ ድዮም? እወ! እቲ ምልክት ድማ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያትን ንመንእሰያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘቕርብዎ መልእኽቲ ዘብርሆን መልሲ ዝህቦምን ከምዝኸውን እኣምን። ኣብኡ ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕሪ ብስራተ ገብርኤል፥ “ብታህዋኽ ተንሲኣ ከደት (ሉቃ. 1:39) ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ጭርሖ ከም ዘመልክቶ እዩ። ንኤሳቤጥ ኣብ ድሌታታ ክትሕግዛ ብታህዋኽ ከደት። ኣብዚ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተርእየና ንመንእሰያት ልዕሊ ኩሉ መገዲ ቅርበትን ምርኻብን ተርኢ። ከምኡ እውን መንእሰያት ነዚ ናይ ቅርበትን ርክብን መገድታት ክስዕቡ ከለዉ ነቲ ብዙሕ ብድሆታት ሕብረተሰብና ንምግጣምን ንምፍታሕን ንምብዳህን ንምሕጋዝን ዓቕሚ ኣብ ገዛእ ርእሶም ከምዘለዎም እኣምን።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናይ ምስማዕ ግዜ ክኸውን ኣለዎ፡ ካብዚ ርክብ እንታይ ክውለድ ይኽእል ትብሉ? ኣብቲ ርክብ ጸጋ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብ ልቢ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ኣብ ልቢ መንእሰያት ይሰርሕ፡ ግን ኣዝየን ኣገድስቲ ዝመስላኒ ሰለስተ ናይ ርክብ ህሞታት ከምዘለዋ ከስምረሉ እፈቱ፡ እቲ ቀዳማይ ንጎይታ ንጻውዒት ምስማዕ እዩ፡ ብፍላይ በዚ መንጽር እዚ ትርጉም ዘለዎ ህሞት ዋዜማ ዝበሃል ናይ ቀዳም ምሸት ጽምብል እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን ዝግበር ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣምልኾን ግዜ እውን ከነስተማቕር ኢና። ኣብ ቅዱስ ቁርባን ህያው ምስ ዝኾነ ጎይታ ምርኻብ ከምኡ እውን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣብኡን ብእኡን ክትረኽቦ ምፍቃድ። ንቓሉ እውን ክተስምዕ ምድላው ማለት እዩ፡ ብሓቂ ንህይወት ብዙሓት መንእሰያት ክቕይር ዝኽእል ርክብ እዩ። ካልኣይ ህሞት ንር.ሊ.ጳ. ምስማዕ እዩ። ምስ ር.ሊ.ጳ. ተኻኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ምስክርን መምህርን እምነት ዝግበር ርክብ እውን ኣብ ህይወት መንእሰያት ነጥቢ መቐይሮ ክኸውን ይክእል እዩ።

እቲ ሳልሳይ ህሞት ንመንእሰያት ንሓድሕዶም ናይ ምርኻብ ምስማዕን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እውን ከምቲ ዝበልክዎ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ንምርኻብ መዛኑኦም ፍልልያቶም ብኸመይ ከም ዝነብሩን ብኸመይ ንምፍላጣ ዕድል እዩ። ንሓድሕዶም ከህብትሙ ዘክእሎም እዩ።

ነቶም ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘይህልዉ ብዙሓት መንእሰያት ዋላ’ኳ እንተደለዩ ክሳተፉ ዘይክእሉ . . . እንታይ ትብልዎም? እወ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየደሉ እዋን ማዕረ ማዕረ “ኣብ ቦታ” ዝበሃል ፍጻሜታት እውን ከምዝህልውን ንዓለመ ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብመራኸቢ ብዙሓን ምክትታል ከም ዝከኣል ንፍልጥ ኢና። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሊዝበን ክኸዱ ዘይክእሉ ምስቶም ኣብ ፖርቱጋል ዝኸዱ ር.ሊ.ጳጳሳትን መዛኑኦምን ብመንፈስዊ መዳይ ክጥርነፉ ዋላ ካብ ርሑቕ ይኹን ነዚ ተመክሮ እዚ ምስኦምን ስሌኦምን ብምጽላይ ብትሪ ክነብሩ ይዕድም፥ እቶም ኣብ ሊዝበን ዘለዉ እውን። ስለዚህ ድማ ንሳቶም ህያው ኣካል ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኮይኖም ክስምዖም ኣለዎ።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝበልዎ፥ “ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት `ርችት’ ኣይኮነን ማለት ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝዕጸውሉ ውዕዉዕ ስምዒት ኣይኮነን፡ በንጻሩ ምስቲ ናይ መንእሰያት ዕለታዊ ኣግልግሎት ዝወሃሃድ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ነዚ ምትእኽኻብ እዚ ንምድላው ዝጽውዑ ሃገረ ስብከታትን ሰበኻታትን ናይ ጉስነት ዕዮ ክህሉ ኣለዎ። ድሕሪኡ ድማ ክትትል ክግበረሉ ይግባእ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሎም መንእሰያት ዋላ እቶም ኣብ ሊዝበን ብኣካል ክህልዉ ዘይኽእሉ ተሳትፎን ምሉእ ቀንዲ ተዋሰእትን ኮይኖም ክስምዖም ኣለዎም ዝብል እምነት ኣሎኒ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 August 2023, 16:19