2021.07.29 Santa Marta 2021.07.29 Santa Marta 

ናይ ኣንድርያ ቶርኒየሊ 'ህይወት ኢየሱስ' ዘርእስታ መጽሓፍ ንወጌል 'ተመኲርካ' ምስ ክርስቶስ ምርኻብ

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመነ ዓቢይ ጾም፣ ኣንበብቲ በታ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ዘዳለዋ 'ህይወት ኢየሱስ ' ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣቢሎም ንወንጌላት ብሓድሽ መገዲ ' ክሙከርዎ ' ዝከኣል ኢዩ፣ ብርእሰ ሊቃና ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን መእተዊ ዝተገብረላ፣ ኣብቲ ብቤት ማሕተም ሎዮላ ዝተሰናደወ ናይ ዘመነ ጾም መድረኽ ዛዕባታት ብደራሲኣ ኣንድረያ ቶርኔሊን ናብ ቋንቋን እንግሊዝ ዝተርጐመታ ክብርቲ እናቴ በርናዴት ራይዘን ቀሪባ ኣላ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ ብኣንድርያ ቶርኔሊ እተጻሕፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን መቅድም ዝጸሓፉላ “ሕይወት ኢየሱስ” ዘርእስታ ብቋንቋ ብእንግሊዝ ተተርጒማ ብቤትማሕተም ሎዮላ እተሓትመት መጽሓፍ  ንኣንበብቲ ናብቲ "ቀንዲ ቀላሲ" ናይዛ መጽሓፍ ዝዀነ ጐይታ ንኽቐርቡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እተቕርበሎም መጽሓፍ ኢያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 22 ለካቲት እተጋውሐ በቶም ኣሕተምታ ኣብ እተሰናደወ መደብ ዛዕባታት በቶም ዋና ኣሰናዳዊ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽ ቫቲካንን ዝኾኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ዘገልግሉ ዘለዉ ደራሲኣ ኣንደረያ ቶርኒየሊን ከምኡውን በተን ነታ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ብእንግሊዝ ዝተርጐማ ንነዊሕ እዋን ተሓጋጋዚት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽህፈት ቅድስቲ መንበር ኮይነን ዘገልገላ እናቴ በርናደት ራይስን ብሓደ ኮይኖም ኣብ ዘቕረብዎ መደብ (ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ኣብ መእተዊኦም ዝጠቐስዎ) ምእመናን በዛ መጽሓፍ ኣቢሎም ቃል ኣምላኽ ክምገቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

'ሓደ መዘኻኸሪ ደብተር ሒዘ ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ'

ኣብቲ ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ ዝገብረዎ መደብ ቶርኒየሊ ከመይ ቢሉ ነዛ መጽሓፍ ክደርሳ ከም ዝኸኣለ ኣዘንተወ ።

"ብዛዕባ እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ዝሰምዖ ዝነበርኩ፣ ሕብርታት ሽታታት ኵነታት ኣየር መዘኻኸሪ እናውሰድኩ ኣብ ኢደይ ጥራዝ ሒዘ ኣብቲ ናይ ወንጌል ዛንታት ከም ዘለኹ ገይረ ኢየ ዝሓስብ ዝነበርኩ" ክብል ይገልጾ ነቲ ዘሕለፎ ተመኵሮ ።

"እቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ዛንታታት ቃላት ጭብጥታት፣ ናተይ ኣይኰኑን" ድማ በለ።

ኣብ ክንድኡስ "ነዚ ዛንታታት እዚ ኣባይ ከም እተፈጸም ገይረ ሎሚ ህያው ክገብሮ ፈቲነ ኣሎኹ " ብምባል እቶም ነታ መጽሓፍ ዘንብቡ እዚ ፈተነ እዚ ዕዉት እንተ ዀይኑ ክምኮርዎ ምዃኖም ድማ ገለጸ።

ንጐይታና ብዝበለጸ ምእንቲ ኸነፍቅሮ ብቐጻሊ ኽንረኽቦ ኣሎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነዛ መጽሓፍ ዝደረሱላ መቅድም ፍቕሪ ኻብ ርሑቕ በዳሂት ምዃናን፣ ምስ ካልእ ፍቕራዊ ርክብ ንምምስራት ከኣ 'ህላወን ርክብን' ኣገዳሲ ምዃኑ ይምስክሩ ።

"ኣብ ፍቕራዊ ርክብ ወትሩ ምርካብን ምቅርራብን ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማትን ጽን ምብህሃልን ዝሓትት ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ፣ እዚ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ከምዚ ብምባል ገሊጹልና ኣሎ - "እዚ ድማ ኢዩ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጋጊሞም ዝነገሩና ዘለዉ፣ እዚ ድማ ኢዩ እቲ ኣብ ወንጌል ዝፍጸም ዘሎ ።"

ቶርኒየሊ ኣብ መግለጺኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መዓልታዊ ኣብ ወንጌል ከነንብብን ዓዕሚቕና ክንኣቱን ጻውዒት ዘቕረበልና በዚ ምኽንያት እዚ ምዃኑ ብምጕላሕ ከምዚ በለ - "ነቲ ቀንዲ ቀላስን ተዋሳእን ወንጌል ዝኾነ - ኢየሱስ ተምኵሮ ንምህላው ቀጻሊ ርክብ የድልየና ኢዩ ።

ቃል ኢየሱስ ክንሰምዕ ከለና ከምቲ ኣንድረያ ቶርኔትሊ ዝምስክሮ "ንህይወትና ሓድሽ ተመኩሮ እዩ ዝህበና" በለ።

ኣብ ልዕሊ ወንጌላዊ ዛንታታት ተመርኲስካ ዝርከብ ምግላጽ

ኣብቲ ንክርስቶስ ኣብ ዛንታታት ወንጌል 'እንረኽበሉ' ግዜና፣ እቶም ተሳተፍቲ እቲ መደብ ከም ዝገለጽዎ ምሳና ኸም ዘሎን ምስ ኣምላኽ ከም ዜራኽበናን መረጋገጺ ኢዩ ይብሉ ።

እናቴ በርናደት እውን ብወገና "ተዘክሮታትና ኸነሐድስ" ከለና "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ዝምስክርዎ ምስ ጐይታ ንእንገብሮ ምርኻብ ክፉታት ኮይና ከም እንርከብ" መስከረት ።

"እዚ ማለት ከአ ኣብቲ ምስ ጐይታ እንገብሮ ርክብ ገዛእ ርእስና ከነዳሉ እንኽእለሉ መገዲ ኢዩ" በለት። "ሕጂ ብኣካላዊ መዳይ ኣይኪመጽእን እዩ፣ ግናኸ ኬነቓቕሓና ዚኽእል መገድታት ኣሎ። እዚ ኸኣ ከምቲ ናቱ ዓይነት ንውሓት ማዕበል ወይ ሥርዓተ ኣእምሮ እንተ ኣልዩና ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብ ወንጌል ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ብምውሳድ ነዚ ብርግጽ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።"

እናቴ በርናደት ብዛዕባ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ዛንታታት ወንጌል ዚገልጽ ትንታናዊ ሓሳብት እንክትምስክር እቲ ደራሲ "ነቲ ዛንታታት ኣይወሰኸሉን ወይ ውን ኣየጉደለሉን የግዳስ ነቲ ዛንታታት ንኽንርድኣሉ ዚሕግዘና ተወሳኺ ሓሳባት እዩ ዝፈጥረልና" በለት።

ቶርኒየሊ "ካብቲ ድሮ ተነጊሩና ዘሎ ጽሑፍ ብብልሓት" ከም ዝሰርሐ ገለጸት፣ እንተዀነ ግን "ብዝያዳ ገላጺን ህያውን ከምኡውን ኣብ ተግባር ዘተኰረን" ማለት "ኣብ ብምሉኡ እቲ ዛንታ ካልእ ምትእስሳር ከም ዝህሉ ዝገብርን ኢዩ" ክትብል መስከረት ።

ምሕረት ኣብ ልቢ ወንጌል

ቶርኒየሊ ነቲ ወንጌል ዘዘንትዎ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ንዘኬዎስ ዝገበረሉ ዓብዪ ምሕረት፣ ተቐባል ቀረጽ ከም ምንባሩ ብምዝካር ምሕረት ኣብ ወንጌል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና የስተንትን ። እቲ ደራሲ ብዛዕባ ሓደ ወንጌላዊ ፍጻመ "ክሳዕ ክንደይ ሓያል ከም ዝኾነ ኢዩ ዝምስክር፣ ከመይሲ መብዛሕትኡ ግዜ  ቕድሚ ምስኡ ምርኻብና ነዚ ዅሉ ብሓባር ንረኽቦ ከም ዘሎና ኢዩ ዝመስለና" በለ።

"ብምሕረትን ብፍቕርን ኣምላኽ ካብ ክትፍቀርን ክትንከፍን ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ካልእ ተኽእሎ የለን" ድማ ይብል ።

ኣብዚ ኣስተንትኖ ዛንታታት ወንጌልን  ከምኡውን  ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምስክርዎ መሰረት ብምግባር ቶርኒየሊ "ኣምላኽ እሙን ምዃኑ ወትሩ ብንጹር ኢና እንርኢ ። 'ኪትንክፈናን ኣቀዲሙ ውን ይረኽበና' ስለዚ ንሕና ምእመናን ኣይኰንናን እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እንወስድ ኣምላኽ ወትሩ ምስ ቀደመና እዩ።

ቶርኒየሊ ኣብ መግለጺኡ ወንጌል ሎሚ ውን ንጐይታ ንምርኻብ ዘድልየና ኣገዳሲ መሳሒ ከም ምዃኑ ኣጕልሐ ። ምኽንያቱ ሎሚ ምስ ኢየሱስ እንተ ደኣ ዘይተራኸብና ዀይና እምነት ትርጉም ኣይህልዋን ሕሉፍ እውን ትኸውን።"

27 February 2024, 12:54