ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት፥ ‘ካብ በጻሒ ናብ ነጋዳይ’ ብዝብል እርእስቲ ናብ ዓመተ ኢዮቤል ዘሰንይ መደብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ ክርስቲያን ካብ ዓመተ ጸሎት ናብ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ገጻ ኣብ እትጓዐዘሉ ዘላ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ሮማ ንዝርከባ ኣርባዕተ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ዝተወፈየ ንእሽቶ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝሰረሐ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥ “ካብ በጻሒ ናብ ነጋዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ንባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ፡ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለ ሙራ ከምኡ’ውን ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንኹሎም በጻሕቲ ናብ ነጋድያን ምዃን መንፈስ ንኽሰጋገሩ ብፍላይ ንመንሰያት ምስ ትሕዝቶ እተን ባዚሊካ ንምልላይ ዝሃቀነ መደብ ኮይኑ፡ ብመሰረት ዕለት 22 ለካቲት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐውም መርበብ ሓበሬታ ጽባቐን ታሪኽን ናይዞም ቅዱሳት ቦታታትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን መንፈሳዊ ሃብትታትን ብምስማዐ ርእየት ብዝተሰነየ ኣገባብ ከዝተማቕሩን ከስተውዕሉን ንምድጋፍ ምዃኑ ይፍለጥ።
መንፈሳውን ስነ ጥበባውን ቲዮሎጊያውን መልእኽቲ
ባዚሊካ ብመሰረቱ ‘ሰብን እግዚኣብሔርን’ ዘራኽብ ስፍራ ብምዃኑ ነዚ ክልተኣዊ ምርኻብ እዚ ዝሕግዙ ስነ ጥበባውን መንፈሳውን ቅርጽን ትሕዝቶን ናይተን ባዚሊካ ንምቕራብ ዝኣመተ ንሽተይ መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ ንነጋድያን ምስቶም ነተን ባዚሊክ ዝሃነጹ ሰባትን ኣብቲ ባዚሊካ ዝተነብሩ ቅዱሳት ኣሳእልን ሓወልትን ዘላልይን ካብ ምዃን ሓሊፉ ተመክሮ እምነት ዘካፍል እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጉዕዞ ነጋድያን
እቲ “ካብ በጻሒ ናብ ነጋዲ” ዝብል ተበግሶ እውን ንነጋድያን ኣብ ጉዕዞኦም - ብኣካል ይኹን ብመርበብ ሓበሬታን ብታሪኽ ባዚሊካታት ኣቢሉ ዘሰንይ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መዳያቶም ፍሉይ ርድኢት ዝህብ” እዩ ቢሉ፥ እዚ ተኸታታሊ መደብ እዚ ካብ ዕለት 27 ለካቲት ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ ዝመሓላለፍ መደብ ፈነወ ክህልው እውን ምዃኑ የመላኽት።
“እቲ ንሓደ በጻሒ ቅርዓት ከተማ ጥራይ ክመስል ዝኽእል፡ ብዓይኒ ነጋዲ እንተተራእዩ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትታት መለኮታዊ ምልክት ከም ዝኾነን እዚ ንሓጺር እዋን ዝግበር ምብጻሕ እዚ ነቲ ብመንጽር ንግደት ዝግለጽ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ሕቡእ ጽባቐ ሮማ ንምጉላሕ ዝተዳለወ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም
“ካብ በጻሒ ናብ ነጋዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሃን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ “ርክብ እምነት ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ንመንእሰያት ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን መደብ ሕንጸት እውን ከም እተዳለወን፡ እዚ እውን እምነትና ካበይ ከም ዝመጸ ብዝያዳ ብዝተረዳእና መጠን፡ ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ነቲ መልእኽቲ ብጽቡቕ ከነመሓላልፎ ዘኽእል ምዃኑ መግለጺ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።